ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 121:1-8

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንህዝቡ ይሕልዎም

    • ‘ረድኤተይ ካብ የሆዋ እዩ’ (2)

    • የሆዋ ኸቶ ኣይድቅስን (3, 4)

መዝሙር ምድያብ። 121  ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን አልዕል ኣለኹ።+ ረድኤተይ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧   ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ፡+ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እዩ ዚመጽእ።   ንሱ እግርኻ ኼንደልህጽ* ከቶ ኣይኪፈቅድን እዩ።+ እቲ ዚሕልወካ ኸቶ ኣይታኸስን እዩ።   እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ፡ ከቶ ኣይታኸስን፡ ኣይድቅስን እውን እዩ።+   የሆዋ ይሕልወካ ኣሎ። የሆዋ ኣብ የማንካ+ ጽላልካ እዩ።+   ጸሓይ ብመዓልቲ፡ ወርሒ እውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።+   የሆዋ ኻብ ኵሉ ጕድኣት ኪሕልወካ እዩ።+ ንህይወትካ* ኺሕልዋ እዩ።+   የሆዋ ኻብ ሕጂ ንዘለኣለም፡ ኣብ እትገብሮ ዅሉ* ኺሕልወካ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰንከልከል ኪብል።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ምውጻእካን ምእታውካን።”