ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 120:1-7

ትሕዝቶ

  • ጓና ሰላም ኪረክብ ዘለዎ ሃረርታ

    • ‘ካብ መታለሊት ልሳን ኣናግፈኒ’ (2)

    • “ኣነ ሰላም እደሊ” (7)

መዝሙር ምድያብ።* 120  ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡+ ንሱ እውን መሊሱለይ።+   ኦ የሆዋ፡ ካብ ሓሰውቲ ኸናፍርን ካብ መታለሊት ልሳንን ኣናግፈኒ።*   ኣቲ መታለሊት ልሳን፡+ ንሱስ ንዓኺ እንታይ ኪገብረኪ፡ ከመይ ገይሩኸ ኪቐጽዓኪ እዩ፧*   ብበላሕቲ ፍላጻታት+ ጅግናን ብጓህሪ+ ዕንጨይቲ ሮተምን።   ኣብ ሜሴክ+ ጓና ዀይነ እነብር ኣለኹ እሞ፡ ወይለይ! ኣብ መንጎ ድንኳናት ቄዳር+ እቕመጥ ኣለኹ።   ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡ እምብዛ ነዊሕ ግዜ እቕመጥ ኣለኹ።*+   ኣነ ሰላም እደሊ፣ ክዛረብ ከለኹ ግና፡ ንሳቶም ውግእ ይደልዩ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣናግፋ።”
ቃ.ቃ.፡ “እንታይከ ኺውስኸልኪ እዩ፧”
ወይ፡ “ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡ እምብዛ ነዊሕ ግዜ ትቕመጥ ኣላ።”