ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 119:1-176

ትሕዝቶ

  • ኣድንቖት ነቲ ኽቡር ቃል ኣምላኽ

    • “ጐበዝ ንመገዱ ኸመይ ገይሩ ብንጽህና ይሕልዋ፧” (9)

    • “ንመዘኻኸሪታትካ እፈትዎም እየ” (24)

    • “ቃልካ ተስፋይ እዩ” (74, 81, 114)

    • “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!” (97)

    • “ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ፡ ልቦና ኣሎኒ” (99)

    •  ‘ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ’ (105)

    • “ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ” (160)

    • ሕጊ ኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ሰላም ኣለዎም (165)

א  [ኣሌፍ] 119  ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም፡* ብሕጊ የሆዋ ኸኣ ዚመላለሱ፡ ሕጉሳት እዮም።+   መዘኻኸሪታቱ ዚሕልዉ፡+ ብዅሉ ልቦም ድማ ዚደልይዎ፡ ሕጉሳት እዮም።+   ዓመጻ ኣይገብሩን፣ ብመገድታቱ እውን ይመላለሱ።+   ትእዛዛትካ ብጥንቃቐ ኺሕሎስ፡ ንስኻ ኣዚዝካ።+   ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡+ ኣየ ጸኒዐ እንተ ዝመላለስ!*   ሽዑ፡ ንዅሉ ትእዛዛትካ ኽሓስብ ከለኹ፡ ኣይምሓፈርኩን።+   ቅኑዕ ፍርድታትካ ምስ ተመሃርኩ፡ ብቕኑዕ ልቢ ኽውድሰካ እየ።   ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ። ב  [ቤት]   ጐበዝ ንመገዱ ኸመይ ገይሩ ብንጽህና ይሕልዋ፧ ከም ቃልካ ንርእሱ ብምሕላው እዩ።+ 10  ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣለኹ። ካብ ትእዛዛትካ ኸልግስ ኣይትሕደገኒ።+ 11  ንዓኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡+ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቚረዮ።+ 12  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ተወደስ፣ ስርዓታትካ ምሃረኒ። 13  ኵሉ እቲ እተዛረብካዮ ፍርድታትካ ብኸናፍረይ እነግር እየ። 14  ካብ ብኻልእ ኵሉ ጥሪት ንላዕሊ፡+ ብመዘኻኸሪታትካ እሕጐስ እየ።+ 15  ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ፡*+ ኣዒንተይ ድማ ኣብ መገድታትካ ኽገብር እየ።+ 16  ንሕግታትካ እፈትዎ እየ። ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።+ ג  [ጊሜል] 17  ብህይወት ክነብር፡ ቃልካ እውን ክሕሉስ፡ ንጊልያኻ ጽቡቕ ግበረሉ።+ 18  ኣብ ሕግኻ ዜደንቕ ነገራት ብንጹር ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። 19  ኣነ ኣብዛ ምድሪ፡ ጓና እየ።+ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ። 20  ኣነ* ዅሉ ሳዕ ንፍርድታትካ ብምንፋቕ ተወዲአ። 21  ንተዳፈርቲ፡ ካብ ትእዛዛትካ ንዜልግሱ ርጉማት፡ ትገንሖም።+ 22  መዘኻኸሪታትካ ሓልየ እየ እሞ፡ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።* 23  መሳፍንቲ ብሓባር ተቐሚጦም ኣንጻረይ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ጊልያኻ ንስርዓታትካ ይሓስበሉ* እዩ። 24  ንመዘኻኸሪታትካ እፈትዎም እየ፣+ ኣማኸርተይ እዮም።+ ד [ዳሌጥ] 25  ኣብ ሓመድ በጥ ኢለ ኣለኹ።*+ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+ 26  መገድታተይ ነጊረካ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ። ስርዓታትካ ምሃረኒ።+ 27  ንዜደንቕ ግብርታትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉስ፡*+ ትርጉም* ትእዛዛትካ ኣረድኣኒ። 28  ብጓሂ ድቃስ ስኢነ ኣለኹ።* ከም ቃልካ ኣበርትዓኒ። 29  መገዲ ምትላል ኣርሕቐለይ፣+ ብሕግኻ እውን ሞገስ ኣርእየኒ። 30  መገዲ ተኣማንነት መሪጸ ኣለኹ።+ ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ እፈልጥ እየ። 31  ናብ መዘኻኸሪታትካ እለግብ እየ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣይተሕፍረኒ።+ 32  ልበይ ስለ ዘግፋሕካ፡* ንመገዲ ትእዛዛትካ ተሃንጥየ ኽስዕባ* እየ። ה  [] 33  ኦ የሆዋ፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሃረኒ፣+ ክሳዕ መወዳእታ እውን ክስዕቦ እየ።+ 34  ሕግኻ ኽሕሉን ብምሉእ ልበይ ክገብሮንሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ። 35  ብእኡ ደስ ይብለኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ምርሓኒ።*+ 36  ልበይ ናብ ጥቕሚ ርእሰይ* ዘይኰነስ፡+ ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣዘምብል። 37  ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣+ ብመገድኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 38  ምእንቲ ኽትፍራህሲ፡ ንጊልያኻ ቓልካ ፈጽመሉ።* 39  ፍርድታትካ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝፈርሆ ውርደት ኣርሕቐለይ።+ 40  ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዝናፍቕ ርአ። ብጽድቅኻ ብህይወት ኣንብረኒ። ו  [ዋው] 41  ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡+ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ድሕነትካን እርከብ፣+ 42  ብቓልካ እእመን እየ እሞ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ክምልሰሉ እየ። 43  ብፍርድኻ ተስፋ ገይረ* ኣለኹ እሞ፡ ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተርሕቕ። 44  ንሕግኻ ወትሩ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ክሕልዎ እየ።+ 45  ትእዛዛትካ እደሊ እየ እሞ፡ ብውሑስ ቦታ* ኽመላለስ እየ።+ 46  ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዛዕባ መዘኻኸሪታትካ ኽዛረብ፡ ኣይክሓፍርን እውን እየ።+ 47  ንትእዛዛትካ እፈትዎ፡ እወ፡ አፍቅሮ እየ።+ 48  ኣእዳወይ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡+ ንስርዓታትካ ኸኣ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+ ז  [ዛይን] 49  ነቲ ንዓይ ንጊልያኻ ዘተስፎኻኒ* ቓል ዘክሮ። 50  ቃልካ ብህይወት ኣንቢሩኒ እዩ እሞ፡ እዚ ብጸበባይ መጸናንዕየይ እዩ።+ 51  ተዳፈርቲ ፈጺሞም ይንዕቁኒ እዮም፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየልግስን እየ።+ 52  ኦ የሆዋ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እዝክር፡+ ብእኡ ድማ እጸናናዕ እየ።+ 53    ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሓደጉ እኩያት ብዚነድድ ቍጥዓ ተታሒዘ ኣለኹ።+ 54  ኣብ ዝነበርኩ እንበር፡* ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። 55  ኦ የሆዋ፡ ሕግኻ ኽሕሉስ፡+ ብለይቲ ስምካ እዝክር እየ። 56  ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡ እዚ ልማደይ ኰይኑ ኣሎ። ח  [ሔት] 57    የሆዋ ግደይ እዩ፣+ ቃልካ ኽሕሉ ቓል ኣትየ እየ።+ 58  ብምሉእ ልበይ እልምነካ* ኣለኹ፣+ ከም ቃልካ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ 59  ኣእጋረይ ናብ መዘኻኸሪታትካ ንምምላስሲ፡ መገድታተይ መርሚረ እየ።+ 60  ትእዛዛትካ ንምሕላው፡ እቕልጥፍ እምበር ኣይድንጕን እየ።+ 61  ኣግማድ እኩያት ከቢቡኒ፣ ሕግኻ ግና ኣይርስዕን እየ።+ 62  ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካስ፡ ፍርቂ ለይቲ ኸመስግነካ ኽትንስእ እየ።+ 63  ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻን እቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።+ 64  ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንምድሪ መሊእዋ ኣሎ፣+ ስርዓታትካ ምሃረኒ። ט  [ጤት] 65  ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡ ንጊልያኻ ጽቡቕ ጌርካሉ። 66  ብትእዛዛትካ ተኣሚነ እየ እሞ፡ ልብምናን ፍልጠትን ምሃረኒ።+ 67  ቅድሚ ጸበባይ፡ አልግስ ነይረ፣* ሕጂ ግና ቃልካ እሕሉ ኣለኹ።+ 68  ንስኻ ሕያዋይ* ኢኻ፡+ ግብርታትካ እውን ጽቡቕ እዩ። ስርዓታትካ ምሃረኒ።+ 69  ተዳፈርቲ ብሓሶት ይጥቅኑኒ ኣለዉ፣ ኣነ ግና ብዅሉ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣለኹ። 70  ልቦም ስምዒት ኣልቦ* ዀይኑ ኣሎ፣+ ኣነ ግና ንሕግኻ እፈትዎ እየ።+ 71  ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሃርሲ፡ ጸበባ ምርካበይ ጽቡቕ እዩ።+ 72  ካብ ኣሽሓት ወርቅን ብሩርንሲ፡ እቲ ዝኣወጅካዮ ሕጊ ይሕሸኒ።+ י  [ዮድ] 73  ኣእዳውካ እየን ገይረናንን ሰሪሐናንን። ትእዛዛትካ ኽምሃርሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+ 74  ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡+ እቶም ዚፈርሁኻ፡ ርእዮምኒ ይሕጐሱ። 75  ኦ የሆዋ፡ ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ፡+ ብተኣማንነትካ ድማ ከም ዘጽበብካለይ እፈልጥ እየ።+ 76  ከምቲ ንጊልያኻ ዝኣቶኻዮ ቓል፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ+ የጸናንዓኒ። 77  ንሕግኻ እፈትዎ እየ እሞ፡+ ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረት ኣርእየኒ።+ 78  ብዘይ ምኽንያት* ይብድሉኒ እዮም እሞ፡ ተዳፈርቲ ይሕፈሩ። ኣነ ግና ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+ 79  እቶም ዚፈርሁኻ፡ እቶም ንመዘኻኸሪታትካ ዚፈልጡ፡ ናባይ ይመለሱ። 80  ምእንቲ ኸይሓፍርሲ፡+ ልበይ መንቅብ ዘይብሉ ዀይኑ ንስርዓታትካ ይስዓቦ።+ כ  [ካፍ] 81  ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡ ንድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ።*+ 82  “መዓስ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧” እናበልኩ፡+ ኣዒንተይ ንቓልካ ይናፍቓ ኣለዋ።+ 83  ኣነስ ኣብ ትኪ ኸም ዝነቐጸ ሓርቢ እየ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይርስዕን እየ።+ 84  ጊልያኻ ኽንደይ መዓልትታት እዩ ኺጽበ፧ ኣብቶም ዚሰጕጉኒ መዓስ ኢኻ ፍርዲ ኸተምጽእ፧+ 85  ተዳፈርቲ፡ እቶም ንሕግኻ ዚዳፈሩ፡ ጕድጓድ ይዅዕቱለይ። 86  ኵሉ ትእዛዛትካ እሙን እዩ። ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ ኣለዉ፣ ርድኣኒ!+ 87  ካብ ምድሪ ዳርጋ ኣጽኒቶምኒ ነይሮም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን። 88  ነቲ እተዛረብካዮ መዘኻኸሪታት ክሕሉስ፡ ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ። ל  [ላሜድ] 89  ኦ የሆዋ፡ ቃልካ ኣብ ሰማያት ንዘለኣለም ይነብር።+ 90  ተኣማንነትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ ኢኻ፣ ንሳ እውን ትቐውም።+ 91  ኵሎም* ገላዉኻ እዮም እሞ፡ ብፍርድታትካ ኽሳዕ ሎሚ ይነብሩ። 92  ንሕግኻ እንተ ዘይፈትዎስ፡ ብጸበባይ ምጠፋእኩ ነይረ።+ 93  ብእኡ ብህይወት ተንብረኒ ኢኻ እሞ፡ ንትእዛዛትካ ኸቶ ኣይርስዖን እየ።+ 94  ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡+ ኣነ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒ።+ 95  እኩያት ኬጥፍኡኒ ይጽበዩ፣ ኣነ ግና ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ አቕልብ ኣለኹ። 96  ንዅሉ ፍጽምና ደረቱ ርእየ እየ፣ ትእዛዝካ ግና ደረት የብሉን።* מ [ሜም] 97  ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!+ ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ* ኣለኹ።+ 98  ትእዛዝካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ጥበበኛ ይገብረኒ እዩ።+ 99  ንመዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ እሓስበሉ* እየ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ልቦና ኣሎኒ።+ 100  ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡ ሓለፋ ዓበይቲ ብኣእምሮ እመላለስ እየ። 101  ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ ብኽፉእ መገዲ ምምልላስ ኣብየ እየ።+ 102  ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ካብ ፍርድታትካ ኣየልግስን እየ። 103  ቃላትካ ንትንሓገይ ክንደይ ኰን ይጥዕም! ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር!+ 104  ሳላ ትእዛዛትካ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።+ ስለዚ እየ ዅሉ መገዲ ሓሶት ዝጸልእ።+ נ [ኑን] 105  ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።+ 106  ንቕኑዕ ፍርድታትካ ኽሕሉ ምሒለ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ። 107  ብዙሕ ጸቢቡኒ ኣሎ።+ ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+ 108  ኦ የሆዋ፡ በቲ ብውዳሰ ዚቐርብ መስዋእቲ ፍታው* ግዳ ባህ ይበልካ፣+ ፍርድታትካ ድማ ምሃረኒ።+ 109  ህይወተይ ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ፣* ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።+ 110  እኩያት መጻወድያ ኣጻዊዶምለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየልገስኩን።+ 111  መዘኻኸሪታትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡+ ነባሪ ርስተይ* ገይረዮ ኣለኹ። 112  ኵሉ ግዜ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ ንስርዓታትካ ኽእዘዝ ቈሪጸ ኣለኹ።* ס [ሳሜኽ] 113  ፍርቂ ዝልቦም* እጸልእ፡+ ሕግኻ ግና አፍቅር እየ።+ 114  ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡+ ንስኻ መሕብእየይን ዋልታይን ኢኻ።+ 115  ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡ ኣቱም እኩያት፡ ካባይ ርሓቑ።+ 116  ብህይወት ክነብርሲ፡ ከም ቃልካ ደግፈኒ፣+ ተስፋይ ናብ ሕፍረት ኣይትለውጦ።+ 117  ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፣+ ሽዑ፡ ወትሩ ኣብ ስርዓታትካ ኸተኵር እየ።+ 118  ብሓሶት ዚመላለሱን መታለልትን እዮም እሞ፡ ንዅሎም እቶም ካብ ስርዓታትካ ዜልግሱ ትድርብዮም።+ 119  ንዅሎም እኩያት ምድሪ፡ ከም ሓተላ ብረት ትጕሕፎም።+ ስለዚ እየ ንመዘኻኸሪታትካ ዘፍቅሮ። 120  ራዕድኻ ንሰብነተይ* ራዕራዕ የብሎ፡ ፍርድታትካ ኸኣ የፍርሃኒ እዩ። ע  [ዓይን] 121  ፍትሕን ጽድቅን ገይረ እየ። ናብ ጨቈንተይ ኣይትደርብየኒ! 122  ዋሕስ ድሕንነት ጊልያኻ ኹን፣ ተዳፈርቲ ኣይጨቍኑኒ። 123  ኣዒንተይ ንድሕነትካን ንቕኑዕ ቃልካን ኪጽበያ ደኺመን ኣለዋ።+ 124  ንጊልያኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ፣+ ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።+ 125  ኣነ ጊልያኻ እየ፣ መዘኻኸሪታትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+ 126  ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ የሆዋ ግብሩ ዚገብረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።+ 127  ስለዚ እየ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ ዘፍቅሮ።+ 128  ስለዚ፡ ትእዛዝካ ዘበለ ቕኑዕ ገይረ እቘጽሮ፡+ መገዲ ሓሶት ዘበለ ድማ እጸልእ እየ።+ פ  [] 129  መዘኻኸሪታትካ ዜደንቕ እዩ። ስለዚ እየ ዝሕልዎ።* 130  ምግላጽ ቃላትካ የብርህ፡+ ንዘይለበሙ ኣእምሮ ይህብ።+ 131  ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ ሃንቀው እብል* ኣለኹ።+ 132  ከምቲ ስምካ ንዜፍቅሩ እትፈርደሎም ፍርዲ፡+ ተመለሰንን ሞገስ ኣርእየንን።+ 133  ንስጕምትታተይ ብቓልካ ምርሓየን፣* እከይ ድማ ኣይምለኸኒ።+ 134  ካብ ጨቈንቲ ሰባት ኣናግፈኒ፣* ኣነ እውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። 135  ንጊልያኻ ገጽካ ኣብርሃሉ፣+ ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ። 136  ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ካብ ኣዒንተይ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።+ צ [ጻዴ] 137  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣+ ፍርድታትካ ድማ ቅኑዕ እዩ።+ 138  እቲ እትህቦ መዘኻኸሪታት ቅኑዕን ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምንን እዩ። 139  ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡ ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።+ 140  ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣+ ጊልያኻ ድማ የፍቅሮ እዩ።+ 141  ኣነ ንእሽቶን ንዑቕን እየ፣+ ግናኸ፡ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን። 142  ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፣+ ሕግኻ እውን ሓቂ እዩ።+ 143  ጭንቅን ሽግርን እኳ እንተ ረኸበኒ፡ ንትእዛዛትካ እፈትዎ እየ። 144  ጽድቂ መዘኻኸሪታትካ ንዘለኣለም እዩ። ብህይወት ክነብርሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+ ק  [ቆፍ] 145  ብምሉእ ልበይ እጽውዕ ኣለኹ። ኦ የሆዋ፡ መልሰለይ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። 146  እጽውዓካ ኣለኹ፣ ኣድሕነኒ! መዘኻኸሪታትካ ኽሕሉ እየ። 147  ቃላትካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡ ከእውስ ቅድሚ ወጋሕታ* ነቒሐ።+ 148  ንቓልካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉስ፡* ኣዒንተይ ቅድሚ እቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ይኽፈታ።+ 149  ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ፡ ድምጸይ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 150  እቶም ዜሕፍር ተግባር* ዚገብሩ ይቐርቡ ኣለዉ፣ ካብ ሕግኻ ርሑቓት እዮም። 151  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ቐረባ ኢኻ፣+ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።+ 152  ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ኪነብር ዝሰረትካዮ መዘኻኸሪታትካ ቐደም ፈሊጠ።+ ר  [ሬሽ] 153    ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ ጸበባይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።+ 154  ተማጐተለይ እሞ ኣናግፈኒ፣+ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ። 155  እኩያት ስርዓታትካ ኣይደለዩን እሞ፡ ድሕነት ካብኦም ርሒቑ እዩ።+ 156  ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ዓብዪ እዩ።+ ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 157    ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣+ ኣነ ግና ካብ መዘኻኸሪታትካ ኣየልገስኩን። 158  ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ንጠለምቲ ርእየ እፍንፍኖም እየ።+ 159  ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዘፍቅሮ ርአ! ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ።+ 160  ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣+ ኵሉ እቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ ድማ ንዘለኣለም ይነብር። ש  [ሲን] ወይ [ሺን] 161  መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ፣+ ልበይ ግና፡ ቃልካ እዩ ዚፈርህ።+ 162  ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝረኸበ፡ ብቓልካ እሕጐስ እየ።+ 163  ንሓሶት እጸልኦ፡ እፍንፍኖ እውን እየ፣+ ንሕግኻ ግና አፍቅሮ እየ።+ 164  ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ፡ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ እውድሰካ እየ። 165  እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣+ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።* 166  ኦ የሆዋ፡ ኣብ ግብርታት ድሕነትካ ተስፋ እገብር፡ ትእዛዛትካ ድማ እሕሉ እየ። 167  መዘኻኸሪታትካ እሕሉ፡* ኣዝየ እውን አፍቅሮ እየ።+ 168  ኵሉ እቲ ዝገብሮ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡+ ትእዛዛትካን መዘኻኸሪታትካን እሕሉ እየ። ת  [ታው] 169  ኦ የሆዋ፡ ኣውያተይ ይብጻሕካ።+ ከም ቃልካ ኣረድኣኒ።+ 170  ናይ ሞገስ ልማኖይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ። ከም ቃልካ ኣድሕነኒ። 171  ስርዓታትካ ትምህረኒ ኢኻ እሞ፡ ከናፍረይ ብውዳሰኻ ይጀርብባ።+ 172  ኵሉ ትእዛዛትካ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ልሳነይ ብዛዕባ ቓልካ ትዘምር።+ 173  ትእዛዛትካ ኽሕሉ ሓርየ እየ እሞ፡+ ኢድካ ኽትረድኣኒ ድልውቲ ትኹን።+ 174  ኦ የሆዋ፡ ድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ፣ ንሕግኻ እውን እፈትዎ እየ።+ 175  ክውድሰካስ ብህይወት ኣንብረኒ፣*+ ፍርድታትካ ድማ ይርድኣኒ። 176  ከም ጥፍእቲ በጊዕ ሃውቲተ ኣለኹ።+ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡+ ንጊልያኻ ድለዮ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንጽህና ዚሕልዉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣየ መገድታተይ እንተ ዚጸንዕ!”
ወይ፡ “ኸጽንዖ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ልዕለይ ኣንከባልል።”
ወይ፡ “የጽንዖ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣብ ሓመድ በጥ ኢላ ኣላ።”
ወይ፡ “ኸጽንዖስ።”
ቃ.ቃ.፡ “መገዲ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብጓሂ ድቃስ ስኢና ኣላ።”
ወይ፡ “ንልበይ እምንቶ ስለ ዘሕደርካሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ።”
ወይ፡ “ኣመላልሰኒ።”
ወይ፡ “ናብ ረብሓ።”
ወይ፡ “እቲ ንዚፈርሁኻ እተኣትወሎም ቃልካ ንጊልያኻ ፈጽመሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንፍርድኻ እጽበ።”
ወይ፡ “ብርሒብ።”
ወይ፡ “ከጽንዖ።”
ወይ፡ “ዘጸበኻኒ።”
ወይ፡ “ኣብቲ ጓና ዀይነ ዚነብረሉ ቤት።”
ወይ፡ “ገጽካ አፈሽሕው (ፍሽኽ ከብል እደሊ)።”
ወይ፡ “ብጌጋ እሓጥእ ነይረ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከም ስብሒ ስምዒት ኣልቦ።”
ወይ፡ “ቃልካ እጽበ እየ።”
ወይ፡ “ብሓሶት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኸጽንዖ።”
ወይ፡ “ቃልካ እጽበ እየ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ንድሕነትካ ትናፍቕ ኣላ።”
ማለት፡ ኵሎም ፍጥረታቱ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣዝዩ ርሒብ እዩ።”
ወይ፡ “አጽንዖ።”
ወይ፡ “አጽንዖ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብናይ ኣፈይ መስዋእቲ ፍታው።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ወትሩ ኣብ ኢደይ እያ።”
ወይ፡ “ናይ ዘለኣለም ርስተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልበይ ኣዘምቢለ ኣለኹ።”
ወይ፡ “ልቦም እተኸፍለ።”
ወይ፡ “ቃልካ እጽበ እየ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንስጋይ።”
ወይ፡ “ስለዚ እያ ነፍሰይ እትሕልዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “እልህልህ።”
ወይ፡ “ኣጽንዓየን።”
ቃ.ቃ.፡ “ተበጀወኒ።”
ወይ፡ “ቃላትካ እጽበ እየ።”
ወይ፡ “ዋግዋጎ።”
ወይ፡ “ኸጽንዖስ።”
ወይ፡ “ጽያፍ።”
ወይ፡ “መዐንቀፊ ኸኣ የብሎምን።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ንመዘኻኸሪታትካ ትሕልዎ እያ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ብህይወት ኣንብራ።”