ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 118:1-29

ትሕዝቶ

  • ንየሆዋ ስለቲ ዓወቱ ምምስጋን

    • ‘ንያህ ጸዊዐዮ፡ ንሱ ድማ መሊሱለይ’ (5)

    • “የሆዋ ምሳይ እዩ” (6, 7)

    • እተናዕቀ እምኒ፡ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኰነ (22)

    • “ብስም የሆዋ ዚመጽእ” (26)

118  ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።   እስራኤል ሕጂ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበል።   ኣብ ቤት ኣሮን ዘለዉ፡ ሕጂ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበሉ።   እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ፡ ሕጂ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበሉ።   ብጭንቀይ ንያህ* ጸዊዐዮ፣ ያህ ድማ መሊሱለይ፡ ናብ ውሑስ ቦታ* ኣምጺኡኒ።+   የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ።+ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧+   የሆዋ ምሳይ እዩ፡ ረዳእየይ እዩ፣*+ ነቶም ዚጸልኡኒ ብዓወት ክርእዮም እየ።+   ኣብ ሰብ ካብ ምእማንሲ፡* ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ይሓይሽ።+   ኣብ መሳፍንቲ ኻብ ምእማንሲ፡* ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ይሓይሽ።+ 10  ኵሎም ኣህዛብ ከቢቦምኒ፣ ኣነ ግና ብስም የሆዋ መኪተዮም።+ 11  ከቢቦምኒ፡ እወ፡ ምሉእ ብምሉእ ከቢቦምኒ፣ ኣነ ግና ብስም የሆዋ መኪተዮም። 12  ከም ንህቢ ኸቢቦምኒ፣ ግናኸ፡ ከም ሓዊ እሾዅ ብቕልጡፍ ጠፊኦም። ኣነ ድማ ብስም የሆዋ መኪተዮም።+ 13  ክወድቕሲ ብሓይሊ ተደፊአ፣* የሆዋ ግና ረዲኡኒ። 14  ያህ መዕቈብየይን ሓይለይን እዩ፣ ድሕነተይ እውን ኰይኑኒ እዩ።+ 15  ደሃይ እልልታን ድሕነትን* ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ኣሎ። የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓይላ ተርኢ ኣላ።+ 16  የማነይቲ ኢድ የሆዋ ልዕል ትብል ኣላ፣ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓይላ ተርኢ ኣላ።+ 17  ግብርታት ያህ ክነግርሲ፡ ብህይወት ክነብር እየ እምበር፡ ኣይክመውትን እየ፣+ 18  ያህ ኣበርቲዑ ገሲጹኒ፣+ ንሞት ግና ኣሕሊፉ ኣይሃበንን።+ 19  ኣፍ ደገታት ጽድቂ ኽፈቱለይ፣+ ብእአን ክኣቱን ንያህ ክውድሶን እየ። 20  ኣፍ ደገ የሆዋ እዚኣ እያ። ጻድቃን ብእኣ ኺኣትዉ እዮም።+ 21  መሊስካለይ፡+ ድሕነተይ እውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ክውድሰካ እየ። 22  እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ 23  እዚ ኻብ የሆዋ እዩ ዀይኑ፣+ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ።+ 24  እታ የሆዋ ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ። 25  ኦ የሆዋ፡ ንልምነካ ኣለና፡ በጃኻ ኣድሕነና! ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኣዐውተና! 26  ብስም የሆዋ ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣+ ካብ ቤት የሆዋ ንባርኸኩም ኣለና። 27  የሆዋስ ኣምላኽ እዩ፣ የብርሃልና እውን እዩ።+ ክሳብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡+ ጨናፍር ሒዝኩም ኣብ ዓጀባ በዓል ተጸምበሩ።+ 28  ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ክውድሰካ እየ፣ ኦ ኣምላኸይ፡ ልዕል ከብለካ እየ።+ 29  ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰናይ።”
“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ርሒብ።”
ወይ፡ “ኣብ መንጎ እቶም ዚረድኡኒ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ምውካልሲ።”
ወይ፡ “ምውካልሲ።”
ወይ፡ “ብሓይሊ ደፊእካኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓወትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ መኣዝን።”
ወይ፡ “ሰናይ።”