ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 116:1-19

ትሕዝቶ

  • መዝሙር ምስጋና

    • “ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” (12)

    • ‘ጽዋእ ድሕነት ከልዕል እየ’ (13)

    • “ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ” (14, 18)

    • ሞት እሙናት ክቡር እዩ (15)

116  ድምጸይን ልማኖይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ አፍቅሮ እየ።*   ከመይሲ፡ እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ* እዩ፣+ ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ* ድማ ክጽውዖ እየ።   ኣግማድ ሞት ከርዲኑኒ፣ መቓብር ከኣ ሒዙኒ።*+ ብጭንቅን ብጓህን ተሰኒፈ።+   ግናኸ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣናግፈኒ!”* ኢለ ስም የሆዋ ጸዊዐ።+   የሆዋ ርሕሩሕን* ጻድቕን እዩ፣+ ኣምላኽና መሓሪ እዩ።+   የሆዋ ንዘይለበሙ ይሕልዎም።+ ኣነ ተዋሪደ፡ ንሱ እውን ኣድሒኑኒ።   የሆዋ ጽቡቕ ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ነፍሰይ* መሊሳ ተዕርፍ።   ንነፍሰይ* ካብ ሞት፡ ንዓይነይ ካብ ንብዓት፡ ንእግረይ ካብ ምዕንቃፍ ኣናጊፍካየን ኢኻ።+   ኣብ ምድሪ ህያዋን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽመላለስ እየ። 10  ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ፣+ ኣዝዩ ጸቢቡኒ ነይሩ። 11  ኣነስ ሰምቢደ፡ “ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ” ኢለ።+ 12  ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ 13  ጽዋእ ድሕነት* ከልዕል፡ ስም የሆዋ ድማ ክጽውዕ እየ። 14  ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቡ፡ ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ።+ 15  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ሞት እሙናቱ ኽቡር እዩ።+ 16  ኦ የሆዋ፡ ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡ እልምነካ ኣለኹ። ኣነ ጊልያኻ፡ ወዲ ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ኻብ መእሰሪታተይ ፈቲሕካኒ ኢኻ።+ 17  መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ፣+ ስም የሆዋ ኽጽውዕ እየ። 18  ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፡ ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ፣+ 19  እወ፡ ኣብ ኣጸዳት ቤት የሆዋ፡+ ኦ የሩሳሌም፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ንያህ ወድስዎ!*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “የሆዋ ድምጸይን ልማኖይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡ አፍቅር እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኪሰምዓኒ ይደንን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጭንቂ ሲኦል ረኺቡኒ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣናግፋ።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ዓብዪ ድሕነት።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።