ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 115:1-18

ትሕዝቶ

  • ክብሪ ንኣምላኽ ጥራይ ኪውሃብ ይግባእ

    • ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት (4-8)

    • ምድሪ ንደቂ ሰብ ተዋህበት (16)

    • “ምዉታት ንያህ ኣይውድስዎን እዮም” (17)

115  ንዓና ኣይኰነን፡ ኦ የሆዋ፡ ንዓና ኣይኰነን፣ግናኸ፡ ስለ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ተኣማንነትካን ኢልካ፡+ንስምካ ኽብሪ ሃቦ።+   ስለምንታይ ኣህዛብ፡“ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+   ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት እዩ፣ባህ ዝበሎ ድማ ይገብር።   ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮምብሩርን ወርቅን እዮም።+   ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣   ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣየጫንዉን፣   ኣእዳው ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይድህስሱን፣ኣእጋር ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይከዱን፣+ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድህዩን።+   እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣+ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ* እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+   ኦ እስራኤል፡ ብየሆዋ ተኣመን፣*+—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።+ 10  ኣቱም ቤት ኣሮን፡+ ብየሆዋ ተኣመኑ፣*—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። 11  ኣቱም ንየሆዋ እትፈርህዎ፡ ብየሆዋ ተኣመኑ፣*+—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።+ 12  የሆዋ ይዝክረና እዩ፣ ኪባርኸና እውን እዩ፣ንቤት እስራኤል ኪባርኻ እዩ፣+ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ፣ 13  ነቶም ንየሆዋ ዚፈርሁንኣሽቱን ዓበይትን ኪባርኾም እዩ። 14  የሆዋ ንዓኻትኩምን ንደቅኹምንኪውስኸልኩም እዩ።+ 15  እቲ ገባር ሰማይን ምድርን ዝዀነ+የሆዋ ይባርኽኩም።+ 16  ሰማያትሲ ናይ የሆዋ እዮም፣+ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም።+ 17  ምዉታት ንያህ ኣይውድስዎን እዮም፣+ናብ ስቕታ ሞት* ዝወረዱ እውን ከምኡ።+ 18  ንሕና ግና ካብ ሕጂ ንዘለኣለምንያህ ክንውድሶ ኢና። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዚውከሉ።”
ወይ፡ “ተወከል።”
ወይ፡ “ተወከሉ።”
ወይ፡ “ተወከሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ስቕታ።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።