ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 113:1-9

ትሕዝቶ

  • እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽ ንትሑት የተንስኦ

    • ስም የሆዋ ንዘለኣለም ይወደስ (2)

    • ኣምላኽ ይደንን (6)

113  ንያህ ወድስዎ!* ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ፣ ስም የሆዋ ወድሱ።   ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡ ስም የሆዋ ይወደስ።+   ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡* ስም የሆዋ ይወደስ።+   የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣+ ክብሩ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።+   ከምቲ ኣብ ላዕሊ* ዚቕመጥ የሆዋ ኣምላኽና ዝበለ መን እዩ፧+   ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኪርኢ ይደንን እሞ፡+   ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻ ኻብ ኵምራ ሓምዅሽቲ* የልዕሎ፣+   ምስ ልዑላን፡ ምስ ናይ ህዝቡ ልዑላን ከኣ የቐምጦ፣   ንመኻን ሕጕስቲ ኣደ ቘልዑ ገይሩ ቤት ይህባ።+ ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”
ወይ፡ “ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋን።”
ወይ፡ “ኻብ ጐዱፍ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።