ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 111:1-10

ትሕዝቶ

  • ንየሆዋ ስለቲ ዓብዪ ግብርታቱ ወድስዎ

    • ስም ኣምላኽ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ (9)

    • ፍርሃት የሆዋ ጥበብ እዩ (10)

111  ንያህ ወድስዎ!*+ א  [ኣሌፍ] ብምሉእ ልበይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ፣+ב  [ቤት] ኣብ ኣኼባ ጕጅለ ቕኑዓትን ኣብ ጉባኤን ክውድሶ እየ። ג  [ጊሜል]   ግብርታት የሆዋ ዓብዪ እዩ፣+ד[ዳሌጥ] እቶም ብእኡ ባህ ዚብሎም የጽንዕዎ።+ ה  []   ተግባሩ ኽቡርን ግርማውን እዩ፣ו  [ዋው] ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር።+ ז  [ዛይን]   ንዜደንቕ ግብርታቱ ኸም ዚዝከር ይገብር።+ ח  [ሔት] የሆዋ ርሕሩሕን* መሓርን እዩ።+ ט  [ጤት]   ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም።+ י  [ዮድ] ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።+ כ  [ካፍ]   ግብርታት ሓይሉ ንህዝቡ ገለጾ፣ל  [ላሜድ] ርስቲ ኣህዛብ ብምሃብ ገለጾ።+ מ [ሜም]   ግብርታት ኣእዳዉ ሓቅን ፍትሕን እዩ፣+נ [ኑን] ኵሉ ትእዛዛቱ እሙን እዩ።+ ס [ሳሜኽ]   ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን* እዩ፣ע  [ዓይን] ብሓቅን ብጽድቅን እተገብረ እዩ።+ פ  []   ንህዝቡ በጃ ሃቦም።+ צ [ጻዴ] ኪዳኑ ንዘለኣለም ኪኸውን ኣዘዘ። ק  [ቆፍ] ስሙ ቕዱስን ዜፍርህን እዩ።+ ר  [ሬሽ] 10  ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ።+ ש  [ሲን] ኵሎም እቶም ትእዛዛቱ ዚሕልዉ፡* ጽቡቕ ልቦና ኣለዎም።+ ת  [ታው] ውዳሰኡ ንዘለኣለም ይነብር።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ብጽቡቕ እተሰረተ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሎም እቶም ዚሕልውዎ።”