ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 110:1-7

ትሕዝቶ

  • ከም መልከጼዴቅ ዝበለ ንጉስን ካህንን

    • “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” (2)

    • ብፍታው ዚመጹ መንእሰያት ከም ኣውሊ እዮም (3)

ናይ ዳዊት። መዝሙር። 110  የሆዋ ንጐይታይ፡“ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።+   የሆዋ ኻብ ጽዮን ዘንጊ ስልጣንካ ኺዝርግሕ፡“ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ከኣ ኪብል እዩ።   ብመዓልቲ ሰራዊትካ፡* ህዝብኻ ፈትዩ ኺመጽእ እዩ። ግርማዊ ቕድስና ለቢሶም፡ ካብ ከርሲ ወጋሕታ ዚወጹ፡ከም ኣውሊ ዝበሉ ጭፍራ መንእሰያት ኣለዉኻ።   የሆዋ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅንዘለኣለም ካህን ኢኻ!”+ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ።*   የሆዋ ኣብ የማንካ ኪኸውን፡+ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ድማ ንነገስታት ኪጭፍልቖም እዩ።   ኣብ ልዕሊ* ኣህዛብ ፍርዲ ኺፍጽም፣+ነታ ምድሪ ብሬሳታት ኪመልኣ እዩ።+ ንመራሒ* ገፋሕ ምድሪ* ኺጭፍልቖ እዩ።   ንሱ* ኣብ ጥቓ መገዲ ኻብ ዘሎ ወሓዚ ኺሰቲ እዩ። ስለዚ፡ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ።”
ወይ፡ “ኣይኪጥዓስን ከኣ እዩ።”
ወይ፡ “መንጎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንርእሲ።”
ወይ፡ “ብዘላ ምድሪ።”
ነቲ ኣብ ፍ. 1፡ “ጐይታይ” ተባሂሉ ዘሎ የመልክት።