ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 11:1-7

ትሕዝቶ

  • ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ

    • “የሆዋ ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ” (4)

    • ኣምላኽ፡ ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ይጸልኦ (5)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። 11  ኣብ የሆዋ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ከመይ ጌርኩም ደኣ ኸምዚ እትብሉኒ፦* “ከም ዑፍ ናብ ከረን ህደም!   እኩያት ከመይ ገይሮም ቀስቶም ከም ዚግትሩ ርአ፣ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ካብ ጸልማት ኪውርውሩሎምሲ፡ ንፍላጻኦም ኣብ ኣውታር ቀስቶም ይገብርዎ።   መሰረታት* ምስ ፈረሰ፡ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧”   የሆዋ ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+ ዝፋን የሆዋ ኣብ ሰማያት እዩ።+ ኣዒንቱ ይጥምታ፡ ትኵራት* ኣዒንቱ ንደቂ ሰብ ይምርምራኦም።+   የሆዋ ንጻድቕ ኰነ ንእኩይ ይምርምሮ፣+ ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ።*+   ኣብ ልዕሊ እኩይ፡ መጻወድያታት* የዝንም፣ ግደ ጽዋኦም ሓውን ዲንን+ ዚምሽሉቝ ንፋስን ኪኸውን እዩ።   ከመይሲ፡ የሆዋ ጻድቕ እዩ፣+ ጽድቂ ድማ ይፈቱ እዩ።+ ቅኑዕ ከኣ ገጹ ኺርኢ* እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ ከምዚ እትብልዋ።”
ወይ፡ “መሰረታት ፍትሒ።”
ወይ፡ “ብሩሃት።”
ወይ፡ “ነፍሱ ትጸልኦ።”
ወይ፡ “ጓህሪ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሞገሱ ኺረክብ።”