ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 108:1-13

ትሕዝቶ

  • ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ዓወት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ (12)

    • “ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና” (13)

ማህሌት። ናይ ዳዊት መዝሙር። 108  ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ። ብዅለንትናይ* ክዝምርን ከዝይምን እየ።+   ኦ በገና፡ ንስኺ እውን ኦ መሰንቆ፡* ንቕሒ።+ ንወጋሕታ ኸንቅሖ እየ።   ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክውድሰካ፡ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።   ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻስ ዓብዪ፡ ክሳብ ሰማያት፡+ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ጠፈር እዩ።   ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+   ፍቑራትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ብየማነይቲ ኢድካ ኣድሕነና፡ መልሰለይ እውን።+   ኣምላኽ ብቕድስናኡ* ተዛሪቡ፦ “ክፍሳህ፡ ንሴኬም+ ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣ንስንጭሮ* ሱኮት+ ከኣ ክልክዖ እየ።   ጊልዓድ+ ናተይ እዩ፣ ምናሴ እውን ናተይ እዩ፣ኤፍሬም ቍራዕ* ርእሰይ እዩ፣+ይሁዳ ዘንጊ ኣዛዝየይ እዩ።+   ሞኣብ ዝሕጸበሉ ገበራ እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም ሳእነይ ክድርቢ እየ።+ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤም ብዓወት ክጭድር እየ።”+ 10  ናብታ እተዓርደት ከተማ መን ኬምጽኣኒ እዩ፧ ክሳብ ኤዶምከ መን ኪመርሓኒ እዩ፧+ 11  ኣታ ደርቢኻና ዘለኻ ኣምላኽ፡ኣታ ምስ ሰራዊትና ዘይትወጽእ ዘለኻ ኣምላኽና፡ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 12  ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ እሞ፡+ብግዜ ጭንቅና ርድኣና።+ 13  ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና፣+ንሱ ድማ ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብኽብረይ እኳ።”
ወይ፡ “ኽራር።”
ወይ፡ “ከዚመልካ።”
ወይ፡ “ኣብ መቕደሱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርዲ።”