ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 107:1-43

ትሕዝቶ

  • ንኣምላኽ ስለቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ኣመስግንዎ

    • ብቕኑዕ መገዲ መርሖም (7)

    • ንጽሙእ ኣርወየ፡ ንጥሙይ ኣጽገበ (9)

    • ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጽኦም (14)

    • ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም (20)

    • ንድኻታት ካብ ጭቈና ይከላኸለሎም (41)

(መዝሙር 107-150) 107  ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+   እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከምኡ ይበሉ፣ እወ፡ እቶም ካብ ኢድ ተጻራሪ እተበጀዎም፡+   እቶም ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፡ ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን ዝኣከቦም ከምኡ ይበሉ።+   ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድረ በዳ ዀለል በሉ፣ መገዲ መንበሪ እትዀኖም ከተማ ኣይረኸቡን።   ጠመዩን ጸምኡን፣ ብድኻም ተወድኡ።*   ብጭንቆም ናብ የሆዋ ኣእወዩ፣+ ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።+   ናብ ዚነብሩላ ኸተማ ኺበጽሑስ፡+ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም።+   ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+   ንሱስ ንጽሙእ ኣርውይዎ፡* ንጥሙይ እውን ብጽቡቕ ኣጽጊብዎ* እዩ።+ 10  ገሊኦም ብጸበባን ብሓጺንን ተኣሲሮም ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ይነብሩ ነበሩ። 11  ንሳቶምሲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዓለዉ፣ ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ነዓቕዎ።+ 12  ስለዚ፡ ንልቦም ብሽግር ኣዋረዶ፣+ ተዓንቀፉ፡ ዚረድኦም እውን ኣይነበረን። 13  ብጭንቆም ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣ ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣድሓኖም። 14  ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጽኦም፣ መቓውሖም ድማ ሰበረ።+ 15  ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን+ ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ። 16  ንሱስ መዓጹ ነሓሲ ሰቢሩ፡ ተገዳማት ሓጺን ከኣ ቈሪጹ እዩ።+ 17  ዓያሹ ነበሩ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምን ስሕተቶምን ድማ ጸበቦም።+ 18  ንዅሉ ምግቢ ዝነበሮም ሸውሃት ጠፍአ፣* ናብ ኣፍ ደገታት ሞት እውን ቀረቡ። 19  ብጭንቆም ናብ የሆዋ ይምህለሉ ነበሩ፣ ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የድሕኖም ነበረ። 20  ቃሉ ልኢኹ የሕውዮም፡+ ካብቲ እተቐርቀሩሉ ጐዳጕዲ ድማ የናግፎም ነበረ። 21  ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ። 22  መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡+ ግብርታቱ እውን ብእልልታ ይንገሩ። 23  እቶም ኣብ ባሕሪ ብመራኽብ ዚጕዓዙ፡ እቶም ኣብ ሰፊሕ ማያት ንግዶም ዜካይዱ፡+ 24  ንሳቶም ግብርታት የሆዋ፡ ኣብ መዓሙቝ ድማ ዜደንቕ ግብርታቱ ርእዮም እዮም፣+ 25  ብቓሉ ማዕበላት ባሕሪ ዜልዕል+ ህቦብላ ንፋስ ይትንስእ። 26  ክሳብ ሰማይ ይድይቡ፣ ናብ መዓሙቝ ይወርዱ። ብሰንኪ እቲ ዘንጠልጠለ መዓት ትብዓቶም ይመክኽ።* 27  ከም ስኹር ሰንደልደልን ሰንከልከልን ይብሉ፣ ኵሉ ኽእለቶም ድማ ኣይጠቅምን።+ 28  ሽዑ፡ ብጭንቆም ናብ የሆዋ የእውዩ፣+ ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የናግፎም። 29  ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል።+ 30  ምስ ሃድአ፡ ንሳቶም ይሕጐሱ፣ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ይመርሖም። 31  ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+ 32  ኣብ ጉባኤ ህዝቢ ልዕል የብልዎ፣+ ኣብ ባይቶ* ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ። 33  ንሱ ንኣፍላግ ናብ ምድረ በዳ፡ ንዓይኒ ማያት ከኣ ናብ ምድሪ ኣጻምእ ይልውጦ፣+ 34  እወ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዚቕመጥዋ፡+ ንፍርያም ምድሪ ናብ ጨዋም ምድሪ ይልውጣ። 35  ንምድረ በዳ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡ ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ።+ 36  ዚነብሩላ ኸተማ ኺስርቱስ፡+ ንጥሙያት ኣብኡ የቐምጦም።+ 37  ብዙሕ ፍረ ኺፈርስ፡+ ግራውቲ ይዘርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ይተኽሉ።+ 38  ንሱ ይባርኾም እሞ ኣዝዮም ይበዝሑ፣ ከብቶም ከኣ ኣየውሕደሎምን።+ 39  ብሰሪ ጭቈናን መዓትን ጓህን ግና፡ ከም ብሓድሽ ይውሕዱን ይዋረዱን። 40  ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣ መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+ 41  ንድኻታት ግና ካብ ጭቈና ይከላኸለሎም፣*+ ንዓሌታቶም ከኣ ከም መጓሰ የብዝሖም። 42  ቅኑዓት እዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣+ ኵሎም ዓመጽቲ ግና ኣፎም ይዓጽዉ።+ 43  ጥበበኛ ዘበለ ነዚ ኺዕዘቦ፡+ ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ድማ ተጠንቂቑ ኺሓስቦ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ነፍሶም ብድኻም ተወድአት።”
ወይ፡ “ንዝጸምአት ነፍሲ ኣርውይዋ።”
ወይ፡ “ንዝጠመየት ነፍሲ እውን ብጽቡቕ ኣጽጊብዋ።”
ወይ፡ “ነፍሶም ንዅሉ ምግቢ ፈንፈነቶ።”
ወይ፡ “ነፍሶም ትመክኽ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንበር።”
ወይ፡ “ኣብ ላዕሊ የንብሮም።” ማለት፡ ኣብ ዘይብጽሑሉ።