ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 106:1-48

ትሕዝቶ

  • እስራኤል ኣይተረድኦን

    • ቀልጢፎም ንተግባር ኣምላኽ ረስዕዎ (13)

    • ንኽብሪ ኣምላኽ ብምስሊ ብዕራይ ለወጥዎ (19, 20)

    • ብተስፋ ኣምላኽ ኣይኣመኑን (24)

    • ኣብ ኣምልኾ በዓል ሓበሩ (28)

    • ደቆም ንኣጋንንቲ ሰውኡሎም (37)

106  ንያህ ወድስዎ!* ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+   ግብርታት ሓይሊ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪነግር፡ ወይስ ኵሉ ዚንኣድ ግብርታቱ ኺእውጅ ዚኽእል መን ኣሎ፧+   ፍትሒ ዚገብሩ፡ ወትሩ ድማ ቅኑዕ ዘበለ ዚገብሩ ሕጉሳት እዮም።+   ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ሞገስ* ከተርኢ ኸለኻ፡ ዘክረኒ።+ ብግብርታት ድሕነትካ ተኸናኸነኒ እሞ፡   ንሕሩያትካ እትገብረሎም ሕያውነት* ክርኢ፡+ ምስ ህዝብኻ ኽሕጐስ፡ ምስ ርስትኻ ዀይነ ብሓበን ክውድሰካ* እየ።   ከምቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ፡ ሓጣእና፣+ በደልና፣ እከይ ድማ ገበርና።+   ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንዜደንቕ ግብርታትካ ኣይተረድእዎን። ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ብዙሕ ፍቕርኻ ኣይዘከርዎን። ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ድማ ዓለዉ።+   ንሱ ግና ስለ ስሙ ኢሉ፡+ ሓይሉ ድማ ኬፍልጥ ኢሉ ኣድሓኖም።+   ንቐይሕ ባሕሪ ገንሖ እሞ ነቐጸ፣ ከም ብምድረ በዳ* ኸኣ በቲ መዓሙቕ መርሖም።+ 10  ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሓኖም፣+ ካብ ኢድ ጸላኢ ድማ ተበጀዎም።+ 11  ማያት ንተጻረርቶም ደፈኖም፣ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 12  ሽዑ፡ በቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኣመኑ፣+ ውዳሰኡ እውን ዘመሩ።+ 13  ቀልጢፎም ግና ንተግባሩ ረስዕዎ፣+ ምኽሩ ኸኣ ኣይተጸበዩን። 14  ኣብ በረኻ ብህርፋኖም ተሰነፉ፣+ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኣምላኽ ፈተንዎ።+ 15  ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሃቦም፣ ድሕሪኡ ግና፡ ብዜማስን* ሕማም ወቕዖም።+ 16  ኣብ ሰፈር ንሙሴ ቐንኡሉ፣ ንኣሮን፡+ ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ እውን ቀንኡሉ።+ 17  ሽዑ፡ ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፣ ነቶም ምስ ኣቢራም እተኣከቡ እውን ደፈነቶም።+ 18  ሓዊ ኣብ መንጎ ጕጅለኦም ነደደ፣ ሃልሃልታ ኸኣ ነቶም እኩያት በልዖም።+ 19  ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣ ንፍሱስ ምስሊ እውን ሰገዱሉ፣+ 20  ንኽብረይ ድማ፡ ብምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።+ 21  ንኣምላኽ እቲ መድሓኒኦም፡ ነቲ ኣብ ግብጺ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረ ረስዕዎ፣+ 22  እወ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ካም ዜደንቕ ግብርታት፡+ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ዜፍርህ ተግባራት ዝገበረ ረስዕዎ።+ 23  ጥፍኣቶም ኪእዝዝ ኢሉ ነበረ፣ ዜጥፍእ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኺምለስ ግና፡ ሙሴ እቲ ሕሩዩ ምእንታኦም ለመኖ።*+ 24  ንሳቶም ከኣ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ነዓቕዋ፣+ በቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ድማ ኣይኣመኑን።+ 25  ኣብ ድንኳናቶም የዕዘምዝሙ ነበሩ፣+ ድምጺ የሆዋ ኸኣ ኣይሰምዑን።+ 26  ስለዚ፡ ብዛዕባኦም ኢዱ ኣልዒሉ መሓለ፣ ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡+ 27  ንዘርኦም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬውድቖም፡ ኣብ ብዘለዋ ሃገራት እውን ፋሕ ኬብሎም መሓለ።+ 28  ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ድማ ሓበሩ፣+ ንምዉታት እተሰውአ መስዋእቲ* ኸኣ በልዑ። 29  ብግብርታቶም ኣዀረይዎ፣+ ኣብ መንጎኦም ድማ መቕዘፍቲ ዀነ።+ 30  ፊንሃስ ተንሲኡ ጣልቃ ምስ ኣተወ ግና፡ እቲ መቕዘፍቲ ደው በለ።+ 31  እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ፡ ንዘለኣለም፡ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።+ 32  ኣብ ማይ መሪባ* ድማ ኣዀረይዎ፣ ብሰሮም እውን ሙሴ ተጐድአ።+ 33  ንመንፈሱ ኣመረርዎ፣ ብኸናፍሩ ድማ ብታህዋኽ ተዛረበ።+ 34  ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ከኣ፡+ ነቶም ህዝብታት ኣየጥፍእዎምን።+ 35  ምስቶም ኣህዛብ ደኣ ተሓዋወሱ፣+ መገድታቶም ከኣ ተማህሩ።+ 36  ንጣኦታቶም ድማ የገልግልዎም ነበሩ፣+ ንሳቶም እውን መፈንጠራ ዀንዎም።+ 37  ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ንኣጋንንቲ ይስውኡሎም ነበሩ።+ 38  ንጹህ ደም፡ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን የፍስሱ ነበሩ፣+ ንጣኦታት ከነኣን ከኣ ሰውኡሎም፣+ እታ ምድሪ ድማ ብምፍሳስ ደም ተበከለት። 39  ብተግባራቶም ረኸሱ፣ ብግብርታቶም ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ መንዘሩ።+ 40  ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ነደደ፣ ንርስቱ እውን ፈንፈኖ። 41  እቶም ዚጸልእዎም ምእንቲ ኺገዝእዎም፡+ ብተደጋጋሚ ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ 42  ጸላእቶም ጨቈንዎም፣ ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም* ድማ ተገዝኡ። 43  ብዙሕ ሳዕ ኣናገፎም፣+ ንሳቶም ግና ይዓልዉ ነበሩ፡ ኣይተኣዘዙን እውን፣+ ብስሕተቶም ከኣ ይዋረዱ ነበሩ።+ 44  ንሱ ግና ጸበባኦም ይርኢ፡+ ኣውያቶም እውን ይሰምዕ ነበረ።+ 45  ምእንታኦም ኢሉ ድማ ኪዳኑ ይዝክር፡ በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ዓብዪ* ፍቕሩ ተደሪኹ እውን ይድንግጸሎም* ነበረ።+ 46  ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ማረኽቶም ከኣ፡ ዜደንግጹ ይገብሮም ነበረ።+ 47  ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣድሕነና፣+ ንቕዱስ ስምካ ኸነመስግኖ፡ ብምውዳስካ* ድማ ክንፍሳህሲ፡ ካብ ኣህዛብ ኣክበና።+ 48  የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።+ ኵሎም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣሜን!”* ይበሉ። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ብኣኻ ኽምካሕ።”
ወይ፡ “ብበረኻ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም ብዜማስን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ጋግ ቈመ።”
ወይ፡ “ምስ በዓል ጴዖር።”
ማለት፡ ንምዉታት ሰባት ወይ ህይወት ንዘይብሎም ጣኦታት እተሰውአ።
ትርጉሙ፡ “ቈየቛ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዶም።”
ወይ፡ “ብዙሕ።”
ወይ፡ “ይጥዓስ።”
ወይ፡ “ብውዳሰኻ።”
ወይ፡ “ይኹን!”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።