ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 103:1-22

ትሕዝቶ

  • “ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ”

    •  ኣምላኽ ንሓጢኣትና የርሕቖ (12)

    • ኣባታዊ ምሕረት ኣምላኽ (13)

    • ኣምላኽ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር (14)

    • ዝፋንን ንግስናን የሆዋ (19)

    • መላእኽቲ፡ ቃል ኣምላኽ ይፍጽሙ (20)

ናይ ዳዊት። 103  ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ።   ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ፣ ኵሉ እቲ እተገብረልኪ ድማ ኣይትረስዒ።+   ንሱ ንዅሉ ስሕተትኪ ይቕረ ይብለልኪ፡+ ካብ ኵሉ ሕማምኪ ኸኣ የሕውየኪ።+   ንህይወትኪ ኻብ ጕድጓድ* ይብጀዋ፣+ በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ብምሕረቱን ድማ ኣኽሊል ይገብረልኪ።+   ንእስነትኪ ኸም ናይ ንስሪ ምእንቲ ኺሕደስሲ፡+ ምሉእ ህይወትኪ ብጽቡቕ የጽግበኪ።+   የሆዋ ንዅሎም ጭቍናት፡+ ጽድቅን ፍትሕን ይገብር።+   መገድታቱ ንሙሴ፡+ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።+   የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን፡*+ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+   ወትሩ ጕድለት ኣይኣርን፡+ ንዘለኣለም እውን ኣይቅየምን እዩ።+ 10  ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን፡+ ከም መጠን ስሕተትና ኣይፈደየናን።+ 11  ሰማያት ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብልሲ፡ እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣብቶም ዚፈርህዎ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+ 12  ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።+ 13  ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚምሕሮም፡ የሆዋ ንዚፈርህዎ ምሒርዎም።+ 14  ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡+ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።+ 15  መዋቲ ሰብሲ፡ መዓልትታቱ ኸም ናይ ሳዕሪ እዩ፣+ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።+ 16  ንፋስ ምስ ነፈሰ ግና፡ ንሳ ኣይትህሉን፣ ከቶ ኸም ዘይነበረት እውን ትኸውን።* 17  እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡ ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፣+ ጽድቁ ድማ ንደቂ ደቆም እዩ፣+ 18  እወ፡ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡+ ኣብቶም ንትእዛዛቱ ተጠንቂቖም ዚሕልዉ እዩ። 19  የሆዋ ንዝፋኑ ኣብ ሰማያት ኣጽኒዕዎ ኣሎ፣+ ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይገዝእ እዩ።+ 20  ኣቱም መላእኽቱ ዅልኹም፡+ ኣቱም ብርቱዕ ዝሓይልኹም፡ ኣቱም ንድምጹ ተኣዚዝኩም ቃሉ እትፍጽሙ፡*+ ንየሆዋ ወድስዎ። 21  ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኹም፡+ ኣቱም ፍቓዱ እትገብሩ ኣገልገልቱ፡+ ንየሆዋ ወድስዎ። 22  ኣቱም ግብርታቱ ዅልኹም፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ግዝኣቱ* ንየሆዋ ወድስዎ። ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቦታኣ ደጊም ኣይትፈልጣን።”
ቃ.ቃ.፡ “ድምጺ ቓሉ እትሰምዑ።”
ወይ፡ “ልዕልናኡ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።