ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 102:1-28

ትሕዝቶ

  • ጭቁን ምስ ቀበጸ ዚጽልዮ ጸሎት

    • ‘ከምታ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ’ (7)

    • “መዓልትታተይ ከም ዚሃስስ ጽላሎት እየን” (11)

    • “የሆዋ ንጽዮን ዳግም ኪሃንጻ እዩ” (16)

    • የሆዋ ንዘለኣለም ይነብር (26, 27)

ጭቁን ምስ ቀበጸ፡* ሻቕሎቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍሲሱ ዚጽልዮ ጸሎት።+ 102  ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ኣውያተይ ከኣ ኣባኻ ይብጻሕ።+   ብግዜ ጭንቀይ ገጽካ ኣይትሕብኣለይ።+ እዝንኻ ኣድንነለይ፣*ክጽውዓካ ኸለኹ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+   መዓልትታተይሲ ኸም ትኪ ይበንና ኣለዋ፣ኣዕጽምተይ ድማ ከም መጋርያ ሓሪሩ።+   ምግበይ ምብላዕ ረሲዐ እየ እሞ፡ልበይ ከም ሳዕሪ ተወቒዑን ጸምልዩን።+   ዓው ኢለ ኻብ ምግዓረይ እተላዕለ፡+ኣዕጽምተይ ምስ ስጋይ ተላጊቡ።+   ሓሓት በረኻ መሲለ፣ከም ንእሽቶ ጕንጓ ኣብ ዑናታት ኰይነ።   ሰለም ከየበልኩ በጥ እብል፣*ከምታ ኣብ ናሕሲ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ።+   ጸላእተይ ምሉእ መዓልቲ የባጭዉለይ።+ እቶም ዜላግጹለይ ብስመይ ይረግሙ።   ንሓምዅሽትስ ከም እንጌራ እበልዖ ኣለኹ፣+መስተይ እውን ምስ ንብዓት እተሓወሰ እዩ።+ 10  ብምኽንያት ኵራኻን ቍጥዓኻንሲ፡ኣልዒልካ ደርቢኻኒ። 11  መዓልትታተይ ከም ዚሃስስ* ጽላሎት እየን፣+ኣነ ድማ ከም ሳዕሪ እጽምሉ ኣለኹ።+ 12  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፣+ዝናኻ* ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።+ 13  ንዓኣ ሞገስካ እተርእየሉ ግዜ፡+እቲ ምዱብ ግዜ በጺሑ እዩ እሞ፡+ብርግጽ ክትትንስእን ንጽዮን ክትምሕራን ኢኻ።+ 14  ከመይሲ፡ ገላዉኻ ብኣእማና ባህ ይብሎም፡+ንሓመዳ እውን ይፈትውዎ እዮም።+ 15  ኣህዛብ ንስም የሆዋ፡ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርህዎ እዮም።+ 16  የሆዋ ንጽዮን ዳግም ኪሃንጻ እዩ፣+ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።+ 17  ንጸሎት ነዳያት ኬቕልበሉ እዩ፣+ንጸሎቶም ኣይኪንዕቆን እዩ።+ 18  እቲ ገና ዚውለድ* ህዝቢ ንያህ ምእንቲ ኺውድሶ፡እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ እዩ ተጻሒፉ።+ 19  ካብቲ ቕዱስ ላዕሉ ኣንቈልቊሉ ይጥምት፣+የሆዋ ኻብ ሰማያት ናብ ምድሪ ይርኢ፣ 20  በዚ ኸምዚ፡ እህህታ እሱር ይሰምዕ፣+ነቶም ንሞት እተፈርዶም ይፈትሖም።+ 21  ስም የሆዋ ኣብ ጽዮን፡ውዳሰኡ ድማ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ኺንገር ከምኡ ይገብር።+ 22  ነዚ ኸኣ ህዝብታትን መንግስትታትንንየሆዋ ንምግልጋል ምስ ተኣከቡ እዩ ዚገብሮ።+ 23  ንሓይለይ ቅድሚ ግዜኡ ኣድኪምዎ፣ንመዓልትታተይ ኣሕጺርወን። 24  ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ፦ “ኦ ኣምላኸይ፡ኣታ ዓመታቱ ንውሉድ ወለዶ ዝዀንካ፡+ኣብ ፍርቂ ህይወተይ ኣይተጥፍኣኒ። 25  ጥንቲ፡ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።+ 26  ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም። ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪሓልፉ እውን እዮም። 27  ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ።+ 28  ደቂ ገላዉኻ ብደሓን ኪነብሩ፡ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ደኸመ።”
ወይ፡ “ደኒንካ ስምዓኒ።”
ወይ፡ “ማህሚነ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዚነውሕ።”
ወይ፡ “ስምካ።” ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዚፍጠር።”