ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 101:1-8

ትሕዝቶ

  • ብንጽህና ዚመላለስ ገዛኢ

    • ‘ትዕቢት ኣይክጻወርን እየ’ (5)

    • “ናብ እሙናት ምድሪ ኽምልከት እየ” (6)

ናይ ዳዊት። መዝሙር። 101  ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ብዛዕባ ፍትሕን ክዝምር እየ። ኦ የሆዋ፡ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።   ብምስትውዓልን መንቅብ ብዘይብሉ መገድን* ክነብር እየ። መዓስ ክትመጸኒ ኢኻ፧ ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብንጽህና ልበይ ክመላለስ እየ።+   ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ዘይጠቅም ነገር ኣይከንብርን እየ። ግብርታት እቶም ካብ ቅኑዕ ዘልገሱ እጸልእ እየ፣+ካባታቶም ክርሕቕ እየ።*   ቄናን ልቢ ኻባይ ርሑቕ እዩ፣ክፍኣት ኣይቅበልን* እየ።   ንብጻዩ ብምስጢር ንዚሓሚ፡+ስቕ ከብሎ* እየ። ዕቡያት ኣዒንትን ኵሩዕ ልብን ንዘለዎ፡ኣይክጻወሮን እየ።   ምሳይ ምእንቲ ኪቕመጡስ፡ናብ እሙናት ምድሪ ኽምልከት እየ። እቲ መንቅብ ብዘይብሉ መገዲ* ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።   መታለሊ ኣብ ቤተይ ኣይኪቕመጥን፡ሓሳዊ ድማ ኣብ ቅድመይ* ደው ኣይኪብልን እዩ።   ንዅሎም ገበርቲ ኽፉእ ካብ ከተማ የሆዋ ኽምንቍስሲ፡+ንግሆ ንግሆ ንዅሎም እኩያት ምድሪ ስቕ ከብሎም* እየ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከዚመልካ።”
ወይ፡ “ብንጽህናን።”
ወይ፡ “ግብርታቶም ኣይለግበንን እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይፈልጥን።”
ወይ፡ “ከጥፍኦ።”
ወይ፡ “ብንጽህና።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ።”
ወይ፡ “ኸጥፍኦም።”