ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 10:1-18

ትሕዝቶ

  • የሆዋ፡ ረዳኢ እቶም ረዳኢ ዘይብሎም

    • እኩይ፡ “ኣምላኽ የልቦን” ኢሉ ይምካሕ (4)

    • ረዳኢ ኣልቦ ናብ የሆዋ የብል (14)

    • “የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ” (16)

ל [ላሜድ] 10  ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ኣብ ርሑቕ ደው እትብል፧ ስለምንታይከ ብግዜ ጭንቂ እትሕባእ፧+   እኩይ ንረዳኢ ኣልቦ ብትዕቢት ይሰጕጎ፣+በቲ ዝሓሰቦ ተንኰል ግና ይተሓዝ።+   እኩይሲ ብህርፋኑ* ይምካሕ፡+ንስሱዕ እውን ይምርቖ፣*נ [ኑን] ንየሆዋ ይንዕቆ።   ብትዕቢቱ፡ እኩይ ኣይምርምርን፣ኵሉ ሓሳባቱ፡ “ኣምላኽ የልቦን” እዩ።+   መገድታቱ ይብልጽግ፣+ንፍርድታትካ ግና ኣይርድኦን፣+ንዅሎም ተጻረርቱ የላግጸሎም።*   ብልቡ፡ “ከቶ ኣይክናወጽን* እየ፣ንውሉድ ወለዶመዓት ከቶ ኣይክርእን እየ” ይብል።+ פ []   ኣፉ መርገምን ሓሶትን ታህዲድን ዝመልአ እዩ፣+ኣብ ትሕቲ ልሳኑ ሽግርን ጕድኣትን ኣሎ።+   ኣብ ጥቓ ሰፈር ኣድብዩ ይጸንሕ፣ካብ መሕብኢኡ ንንጹህ ይቐትሎ።+ ע [ዓይን] ኣዒንቱ ንመከረኛ ይጥምታኦ።+   ኣብ ሰፈሩ* ኸም ዘሎ ኣንበሳ፡ ኣብ መሕቢኢኡ ዀይኑ የድቢ።+ ንረዳኢ ኣልቦ ኺሕዞ የድቢ። መርበቡ ስሒቡ ንረዳኢ ኣልቦ ይሕዞ።+ 10  እቲ ግዳይ ይጭፍለቕን ይወርድን፣እቲ መከረኛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ* ይወድቕ። 11  ንሱ ብልቡ፡ “ኣምላኽ ረሲዑ፡+ገጹ ኸዊሉ፡ከቶ ኣይርእን እዩ” ይብል።+ ק [ቆፍ] 12  ኦ የሆዋ፡ ተንስእ።+ ኦ ኣምላኽ፡ ኢድካ ኣልዕል።+ ረዳኢ ንዘይብሎም ኣይትረስዓዮም።+ 13  ስለምንታይ እኩይ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፧ ብልቡ፡ “ተሓታቲ ኣይትገብረንን ኢኻ” ይብሎ። ר [ሬሽ] 14  ንስኻ ግና ሽግርን ጭንቅን ትርኢ። ነዚ ትጥምቶ እሞ ኣብ ኢድካ ተእትዎ።+ መከረኛ ናባኻ የብል፣+ረዳኢ ዘኽታም* ንስኻ ኢኻ።+ ש [ሺን] 15  ንእከዩ ምስ ደለኻዮምእንቲ ኸይትረኽቦሲ፡ቅልጽም ክፉእን እኩይን ስበር።+ 16  የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ።+ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ጠፊኦም እዮም።+ ת [ታው] 17  ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ልማኖ ዓቃላት* ትሰምዕ።+ ልቦም ተጽንዖ፡+ ንዓታቶም ከኣ ተቕልበሎም።+ 18  ምድራዊ መዋቲ ሰብ ከየፍርሆምሲ፡+ንዘኽታምን ንጭፍሉቕን ፍትሒ ተውጽኣሎም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብትምኒት ነፍሱ።”
ወይ፡ “ስሱዕ ንርእሱ ይምርቕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ይንፍሓሎም።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይክብልን።”
ወይ፡ “ጣሻ።”
ወይ፡ “ኣብ መንጎ ሓያል ኣጽፋሩ።”
ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሉ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”