ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 1:1-6

ትሕዝቶ

  • ኣብ መንጎ ኽልተ መገዲ ዘሎ ንጽጽር

    • ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ዚርከብ ሓጐስ (2)

    • ጻድቃን ከም ፍርያም ኦም እዮም (3)

    • እኩያት ከም ዚብተን ብቝቡቝ እዮም (4)

1  ብምኽሪ እኩያት ሰባት ዘይመላለስ፡ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡+ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ ሰብ ሕጉስ እዩ።+   ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣+ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ።*+   ንሱ ኸምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እተፍሪ፡ኣቝጽልታ ኸኣ ዘይጽምሉ፡ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።+   እኩያት ከምኡ ኣይኰኑን፣ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቝቡቝ ደኣ እዮም።   ስለዚ እዮም እኩያት ኣብ ፍርዲ፡+ሓጥኣን እውን ኣብ ኣኼባ ጻድቃን ዘይቈሙ።+   ከመይሲ፡ የሆዋ ንመገዲ ጻድቃን ይፈልጣ እዩ፣+መገዲ እኩያት ግና ክትጠፍእ እያ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “የስተንትነሉ።”