ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መክብብ 6:1-12

ትሕዝቶ

  • ጥሪት ብዘይ ሓጐስ (1-6)

  • ብዘሎካ ተሓጐስ (7-12)

6  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ልሙድ ዝዀነ ኻልእ ዜሕዝን ነገር* ኣሎ፦  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንሰብ፡ ካብቲ ዚምነዮ ሓንቲ እኳ ኸይጐድሎ፡* ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፣ ግናኸ፡ ካልእ ብእኡ ዚሕጐስ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንዕኡ ብእኡ ኣየሐጕሶን። እዚ ኸኣ ከንቱነትን ከቢድ ወጽዓን እዩ።  ሰብ ሚእቲ ሳዕ እኳ እንተ ወለደ፡ ብዙሕ ዓመታት ድማ እንተ ነበረ፡ ዕድሚኡ ኸኣ እንተ ነውሐ፡ ናብ መቓብር ቅድሚ ምብጻሑ ግና በቲ ጽቡቕ ነገራቱ ዘይሕጐስ እንተ ዀነ፡* ካብኡስ ቍላዕ ይሓይሽ እብል ኣለኹ።+  እዝስ ብኸንቱ መጺኡ፡ ብጸልማት ድማ ከይዱ፡ ስሙ እውን ብጸልማት ተኸዊሉ እዩ።  ጸሓይ እኳ ኸቶ እንተ ዘይረኣየ፡ ዋላ ሓንቲ እውን እንተ ዘይፈለጠ፡ ካብቲ ቐዳማይሲ ንሱ ይሓይሽ።*+  ከይተሓጐስካ ኽልተ ሳዕ ሸሽሕ ዓመት ብህይወት ምንባርሲ እንታይ ይጠቅም፧ ኵሎም ናብ ሓደ ቦታ ደይኰኑን ዚኸዱ፧+  ኵሉ ጻዕሪ ሰብ፡ ኣፉ ንምምላእ እዩ፣+ ግናኸ፡ ሸውሃቱ ኸቶ ኣይጸግብን።*  ጥበበኛስ ካብ ዓሻ እንታይ ብልጫ ኣለዎ፧+ ድኻ ኸመይ ገይሩ ብህይወት ከም ዚነብር* ምፍላጡኸ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧  ብትምኒት ካብ ምቕብዝባዝሲ፡* ኣዒንቲ ብዝርእያኦ ምሕጓስ ይሓይሽ። እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 10  እቲ ዝዀነ ዘበለ፡ ድሮ ተሰምዩ እዩ፣ እንታይነት ሰብ እውን ፍሉጥ እዩ፣ ምስቲ ኻብኡ ዚሕይል ድማ ኪብኣስ* ኣይክእልን እዩ። 11  ቃላት* ምስ ዚበዝሕ፡ ከንቱነት ይበዝሕ፣ ንሰብከ እንታይ ጥቕሚ የምጽኣሉ፧ 12  ንሰብሲ ኣብተን ከም ጽላሎት ዜሕልፈን ሒደት መዓልትታት እታ ኸንቱ ህይወቱ እንታይ ኪገብር ከም ዚሕሾ መን ይፈልጥ፧+ ንሰብሲ ንሱ ምስ ከደ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እንታይ ከም ዚኸውን መን ኪነግሮ ይኽእል፧

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዓት።”
ወይ፡ “ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኸይጐድላ።”
ወይ፡ “ግናኸ፡ ነፍሱ ብጽቡቕ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብር እውን ናቱ እንተ ዘይኰነ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝበለጸ ዕረፍቲ ኣለዎ።”
ወይ፡ “ነፍሱ ኸቶ ኣይትጸግብን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሚ ህያዋን ከም ዚኸይድ።”
ወይ፡ “ካብ ምዅብላል ነፍስስ።”
ወይ፡ “ኪማጐት።”
ወይ፡ “ነገራት” ኪኸውን ይኽእል።