ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መክብብ 5:1-20

ትሕዝቶ

  • ግቡእ ፍርሃት ኣሕዲርካ ናብ ኣምላኽ ቅረብ (1-7)

  • ታሕተዎት ብላዕለዎት ይጥመቱ (8, 9)

  • ከንቱነት ሃብቲ (10-20)

    • ፈተውቲ ገንዘብ ከቶ ኣይጸግቡን (10)

    • ድቃስ ዓያዪ ጥዑም እዩ (12)

5  ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትከይድ ከለኻ፡ ስጕምትኻ ሓሉ፣+ ዓያሹስ እቲ ዚገብርዎ ኽፉእ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ጌርካ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብሲ፡+ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሓይሽ።+  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ኣብ ሰማያት እዩ፡ ንስኻ ግና ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትቐልጥፍ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ተሃዊኽካ ኣይትዛረብ።+ ስለዚ፡ ቃላትካ ሒደት ይኹን።+  ሕልምስ ብዛዕባ ዕዮ እምብዛ ኻብ ምሕሳብ* እዩ ዚመጽእ፣+ ዓጀውጀው ዓሻ ድማ ካብ ብዝሒ ቓላት እዩ ዚመጽእ።+  ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡+ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ።+  ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ።+  ኣፍካ ኼሕጥኣካ* ኣይትፍቀድ፣+ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ* ከኣ፡ ‘ጌጋ እዩ ነይሩ’ ኣይትበል።+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንግብሪ ኣእዳውካ ኼጥፍኦስ፡ ስለምንታይ በቲ እትብሎ ጌርካ እተቘጥዖ፧+  ከምቲ ብዛዕባ ዕዮ እምብዛ ምሕሳብ ናብ ሕልሚ ዚመርሕ፡+ ምብዛሕ ቃላት እውን ናብ ከንቱነት እዩ ዚመርሕ። ግናኸ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ።+  ኣብ ኣውራጃኻ ጭቈና ድኻ ዀነ ጥሕሰት ፍትሕን ጽድቅን እንተ ርኢኻ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ኣይትገረም።+ እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣንሲ፡ ካብኡ ብዚልዕል ይጥመት እዩ፣ ገና ኻባታቶም ዝለዓሉ እውን ካልኦት ኣለዉ።  ረብሓ እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ መንጎ ዅሎም ይምቀል እዩ፣ ንጉስ እኳ ኻብ ግራት ይጥቀም እዩ።+ 10  ፈታው ብሩርሲ ብብሩር፡ ፈታው ሃብቲ ድማ ብኣታዊ ኸቶ ኣይጸግብን እዩ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።+ 11  ጽቡቕ ነገር እንተ በዝሐ፡ በላዕቱ ይበዝሑ።+ ንዋናኡኸ ብኣዒንቱ ኺርእዮ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧+ 12  ኣገልጋልስ እቲ ዚበልዖ ሒደት ወይ ብዙሕ ይኹን ብዘየገድስ፡ ድቃሱ ጥዑም እዩ፣ ንሃብታም ግና እቲ ሃብቱ ድቃስ ይኸልኦ። 13  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ ኣዝዩ ዜሕዝን ነገር* ኣሎ፦ ንጕድኣት ዋናኡ እተዓቝረ ሃብቲ ኣሎ። 14  እዚ ሃብቲ እዚ ብሰንኪ ሕማቕ ዕዮ ይጠፍእ፣ ወዲ ኣብ ዚወልደሉ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይተርፎን።+ 15  ከምቲ ኻብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝወጸ፡ ከምታ ዝመጻ፡ ጥራዩ ይኸይድ።+ ካብ ኵሉ እቲ ዝጸዓረሉ ድማ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን።+ 16  እዚ እውን ኣዝዩ ዜሕዝን ነገር* እዩ፦ ከምታ ዝመጻ እዩ ዚኸይድ፣ እቲ ንንፋስ ዚጽዕር ደኣ እንታይ ረብሓ እዩ ዚረክብ፧+ 17  መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ምስ ብዙሕ ብስጭትን ሕማምን ቍጥዓን እዩ ኣብ ጸልማት ዚበልዕ።+ 18  እዚ ድማ ጽቡቕን ግቡእን ምዃኑ ረኣኹ፦ ሰብሲ ኣብቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሃቦ ሒደት መዓልትታት ህይወት፡ ይብላዕን ይስተን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉ ዅሉ ጻዕሪ እውን ይተሓጐስ፣+ እዝስ ጻማኡ* እዩ።+ 19  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ብእኡ ናይ ምሕጓስ ክእለትን ካብ ሃቦ፡+ ጻማኡ* ይውሰድ፡ ብጻዕሩ እውን ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።+ 20  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብታሕጓስ ልቡ ትሑዝ ስለ ዚገብሮ፡ ነቲ ዚሓልፍ መዓልትታት ህይወቱ ኣየስተብህለሉን* እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እምብዛ ኻብ ምሽቓል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍካ ንስጋኻ ኼሕጥኦ።”
ወይ፡ “ልኡኽ።”
ወይ፡ “ዓብዪ መዓት።”
ወይ፡ “ዓብዪ መዓት።”
ወይ፡ “ግዲኡ።”
ወይ፡ “ግዲኡ።”
ወይ፡ “ኣይዝክሮን።”