ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መክብብ 4:1-16

ትሕዝቶ

  • ጭቈና ኻብ ሞት ይገድድ (1-3)

  • ሚዛናዊ ርእይቶ ዕዮ (4-6)

  • ኣገዳስነት ፈታዊ (7-12)

    • ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ (9)

  • ህይወት ገዛኢ ኸንቱ ኪኸውን ይኽእል (13-16)

4  ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ጭቈና ኣተኰርኩ። ንብዓት እቶም ጭቁናት ድማ ረኣኹ፣ ዜጸናንዖም እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ እቶም ጨቈንቶም ከኣ ሓይሊ ነበሮም፣ ዜጸናንዖም እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።  ካብቶም ገና ብህይወት ዘለዉ ህያዋንሲ፡ ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምዉታት እንቋዕ ሓጐሰኩም በልክዎም።+  ካብ ክልቲኦም ከኣ እቲ ገና ዘይተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዜጨንቕ ተግባራት እውን ዘይረኣየ ይሓይሽ።+  ኣብ መንጎ ሰባት ካብ ዚህሉ ውድድር ድማ፡ ክንደይ ጻዕርን ብኽእለት ዚዕየ ዕዮን ከም ዚልዓል ረኣኹ፣+ እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።  ዓሻስ ስጋኡ እናማህመነ ኸሎ፡ ኣእዳዉ የጣምር።*+  ካብ ምሉእ ሕፍኒ* ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።+  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ናብ ዘሎ ኻልእ ኣብነት ከንቱነት ድማ ኣትኵሮይ መለስኩ፦  በይኑ ዝዀነ፡ ብጻይ እውን ዘይብሉ ሰብ ኣሎ፣ ውሉድ ወይ ሓው የብሉን፣ ንዅሉ ጻዕሩ ግና መወዳእታ የብሉን። ኣዒንቱ ድማ ሃብቲ ኣይጸግባን።+ ኰይኑ ግና፡ ‘ንመን እየ ዝጽዕርን ንርእሰይ* ጽቡቕ ነገር ዝሕርማን ዘለኹ፧’ ኢሉዶ ይሓትት እዩ፧+ እዚ እውን ከንቱነትን ኣዝዩ ሕማቕ ዕዮን እዩ።+  ካብ ጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ* ስለ ዚረኽቡ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ።+ 10  ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ። እቲ ዜተንስኦ ዘይብሉ ምስ ዚወድቕ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧ 11  ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይሞቑ፣ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፧ 12  ሓደ በይኑ ዝዀነ ብኻልእ ኪስነፍ ይኽእል እዩ፣ ክልተ ብሓባር ግና ይቃወምዎ። ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ድማ ቀልጢፉ* ኣይብተኽን። 13  መጠንቀቕታ ምስማዕ ካብ ዘይፈልጥ+ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ፡ ድኻን ጥበበኛን ቈልዓ ይሓይሽ።+ 14  ንሱስ ኣብቲ ናይቲ ሓደ መንግስቲ ድኻ ዀይኑ እኳ እንተ ተወልደ፡+ ንጉስ ኪኸውን እዩ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ።+ 15  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ንዚመላለሱ ዅሎም ህያዋን ረኣኽዎም፣ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ክንዲ ኻልእ ዚቐውም ንእሽቶ ወራሲ ረኣኽዎ። 16  ኵሎም እቶም ደገፍቱ መወዳእታ ዘይብሎም እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ደሓር ዚመጹ ብእኡ ኣይሕጐሱን።+ እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዓሻ ኣእዳዉ የጣምር፡ ገዛእ ስጋኡ ድማ ይበልዕ።”
ወይ፡ “ክልተ ዕማዅ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ዝያዳ ጥቕሚ።”
ወይ፡ “ብቐሊሉ።”