ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መክብብ 2:1-26

ትሕዝቶ

  • ዕዮን ጻዕርን ሰሎሞን ተገምገመ (1-11)

  • ተዛማዲ ዋጋ ጥበብ ሰብ (12-16)

  • ከንቱነት ጻዕሪ (17-23)

  • ብላዕን ስተን ብጻዕርኻ ተሓጐስን (24-26)

2  ኣነ ኸኣ ንገዛእ ርእሰይ ብልበይ፡ “ንዓ ተድላ* ፈትን፡ ጽቡቕ ድማ ርአ” በልኩ። እንሆ ግና፡ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።   ብዛዕባ ሰሓቕ፡ “ጽላለ እዩ!” ብዛዕባ ተድላ* ኸኣ፡ “እንታይ ይጠቅም፧” በልኩ።  ጥበበይ ከየጥፍእ እናሓሎኹስ፡ ወይኒ እናጸገብኩ ብልበይ መርመርኩ፣+ ደቂ ሰብ ኣብቲ ሒደት መዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማያት እንታይ ከም ዚሕሾም ክፈልጥሲ፡ ንዕሽነት እኳ ተቐበልክዋ።  ዓበይቲ ዕዮታት ገበርኩ።+ ኣባይቲ ንዓይ ሃነጽኩ፣+ ኣታኽልቲ ወይኒ ንዓይ ተኸልኩ።+  ስፍራታት ኣታኽልትን መናፈሻታትን ንዓይ ገበርኩ፣ ኣብኡ ድማ በብዓይነቱ ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋም ተኸልኩ።  ንዚልምልም ፈራዪ ኣእዋም* ብመስኖ ንምስታይ ከኣ፡ ንዓይ ሓጽብታት ማይ ገበርኩ።  ገላዉን ኣግራድን ኣጥረኹ፣+ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ገላዉ* ድማ ነበሩኒ። ካብቲ ናይቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዚበዝሓ ብዙሓት ማል፡ ማለት ከብትን መጓሰን፡ ነበራኒ።+  ብሩርን ወርቅን፡ መዛግብቲ* ነገስታትን ኣውራጃታትን ደለብኩ።+ ዚደርፉን ዚደርፋን፡ ብተወሳኺ እውን ንደቂ ሰብ ዓብዪ ተድላ ዜምጽእ፡—ማለት ሰበይቲ፡ አረ ብዙሓት ኣንስቲ፡*—ንዓይ ኣከብኩ።  በዚ ኸምዚ ዓብዪ ዀንኩ፣ ካብ ኵሎም እቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኸኣ በለጽኩ።+ ጥበበይ እውን ምሳይ ነበረት። 10  እተመነኽዎ* ዘበለ ንርእሰይ ኣይከልከልክዋን።+ ልበይ ብዅሉ እቲ ጻዕረይ ይሕጐስ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ድማ ጻማ* ዅሉ ጻዕረይ ብምንባሩ፡ ንልበይ ኵሉ ዓይነት ተድላ* ኣይከላእክዎን።+ 11  ግናኸ፡ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ ኽዓምሞ ዝጸዓርክዎ ዅሉ ጻዕርን ምስ ሓሰብኩሉ፡+ ኵሉ ኸንቱ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ ምዃኑ ረኣኹ፣+ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ* የልቦን።+ 12  ድሕርዚ፡ ናብ ጥበብን ጽላለን ዕሽነትን ኣተኰርኩ።+ (ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብሲ እንታይ ኪገብር እዩ፧ እቲ ድሮ እተገብረ ጥራይ እዩ።) 13  ከምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽ፡ ጥበብ ካብ ዕሽነት ከም እትበልጽ ድማ ረኣኹ።+ 14  ጥበበኛ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፣*+ ዓሻ ግና ብጸልማት እዩ ዚመላለስ።+ ንዅሎም ዚበጽሖም መወዳእታ፡ ሓደ ምዃኑ እውን ተገንዘብኩ።+ 15  ሽዑ፡ ብልበይ፡ “እቲ ንዓሻ ዚበጽሖስ፡ ንዓይ እውን ኪበጽሓኒ እዩ” በልኩ።+ እምብዛ ጥበበኛ ብምዃነይ ደኣ እንታይ ረባሕኩ፧ ብልበይ ድማ፡ “እዚ እውን ከንቱነት እዩ” በልኩ። 16  ጥበበኛ ዀነ ዓሻስ ነባሪ መዘከርታ የብሎምን።+ ኣብተን ዚመጻ መዓልትታት፡ ኵሉ ይርሳዕ እዩ። ጥበበኛኸ ኸመይ ኢሉ እዩ ዚመውት፧ ከምቲ ዓሻ።+ 17  ኵሉ ኸንቱ፡+ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ እሞ፡+ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ጭንቂ ስለ ዝመሰለኒ፡ ንህይወት ጸላእክዋ።+ 18  ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሓድገሉ እየ እሞ፡+ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርክዎ ጻዕረይ ጸላእክዎ።+ 19  ንሱኸ ጥበበኛ ወይስ ዓሻ ኪኸውን ምዃኑ መን ይፈልጥ፧+ ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከጥርዮ ኢለ ብዙሕ ዝጸዓርኩሉን እተጣበብኩሉን ነገራት ኪቈጻጸሮ እዩ። እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 20  ስለዚ፡ ብዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርኩሉ ጻዕሪ ተስፋ ክቐብጽ ጀመርኩ። 21  ሰብሲ ብጥበብን ብፍልጠትን ብኽእለትን እናተመርሐ ኺጽዕር ይኽእል እዩ፣ ግናኸ፡ ግዲኡ* ንዘይጸዓረሉ ሰብ እዩ ኣሕሊፉ ዚህብ።+ እዚ እውን ከንቱነትን ኣመና ዜሕዝንን* እዩ። 22  ሰብሲ ኻብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉን ዝሃረፎን* ጻዕሪ እንታይ እሞ እዩ ዚረብሕ፧+ 23  ኣብ ኵለን እተን መዓልትታቱስ፡ ዕዮኡ ስቓይን ብስጭትን እዩ ዜምጽኣሉ፣+ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዓርፍን እዩ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 24  ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስን* ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን።+ እዚ እውን ካብ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ተገንዘብኩ።+ 25  ካባይ ዚሓይሽ ዝበልዐን ዝሰተየንሲ መን እዩ፧+ 26  ንሱስ ባህ ንዜብሎ ሰብ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፣+ ንሓጥእ ግና ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ባህ ዜብሎ ሰብ ኺህቦ ኢሉ ኺእክብን ኪድልብን ጥራይ ዕዮ ይህቦ።+ እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ታሕጓስ።”
ወይ፡ “ታሕጓስ።”
ወይ፡ “ኣእዋም ዱር።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ቤት።”
ወይ፡ “ፍሉይ ጥሪት።”
ወይ፡ “እመቤት፡ አረ እመቤታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዒንተይ ዝለመናኦ።”
ወይ፡ “ግደ።”
ወይ፡ “ታሕጓስ።”
ወይ፡ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ረብሓ ዘለዎ።”
ወይ፡ “ኣዒንቱ ኽፉታት እየን።”
ወይ፡ “ኵሉ።”
ወይ፡ “ዓብዪ መዓትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ጸዓት ልቡን።”
ወይ፡ “ብጻዕሩ ንነፍሱ ጽቡቕ ካብ ምርኣይን።”