ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መክብብ 10:1-20

ትሕዝቶ

  • ንእሽቶ ዕሽነት ንጥበብ ይዕብልላ (1)

  • ዘይብቑዕ ምዃን ዘለዎ ሓደጋታት (2-11)

  • ዜሕዝን ኵነታት ዓሻ (12-15)

  • ኣብ መንጎ ገዛእቲ ዘሎ ዕሽነት (16-20)

    • ዑፍ ንቓላትካ ኽትደግሞ ትኽእል እያ (20)

10  ከምቲ ምዉት ጽንጽያ ንቕብኢ ገባር ሽቱ ዜጭንዎን ዜዕፍሮን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ድማ ንጥበብን ንኽብርን ይዕብልሎ።+  ንጥበበኛስ ልቡ ብቕኑዕ መገዲ ይመርሖ፣* ንዓሻ ግና ልቡ ብግጉይ መገዲ ይመርሖ።*+  ዓሻ ብዝዀነ ይኹን መገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ልቢ የብሉን፣+ ዓሻ ምዃኑ ድማ ንዅሉ የፍልጥ።+  ቍጥዓ* ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ነዲዱ፡ ህድኣት ንዓብዪ ሓጢኣት ተህድእ እያ እሞ፡+ ቦታኻ ኣይትሕደግ።+  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ ዜጨንቕ ነገር፡ በቶም ስልጣን ዘለዎም ዚግበር ጌጋ ኣሎ፦+  ዕሽነት ኣብ ሓያሎ ልዑል ቦታታት ተቐሚጡ ኣሎ፣ ሃብታማት* ግና ኣብ ትሑት ቦታታት ይነብሩ።  ገላዉ ብኣፍራስ፡ መሳፍንቲ ግና ከም ገላዉ ብእግሮም ኪኸዱ ኸለዉ ረኣኹ።+  ጕድጓድ ዚዅዕት፡ ኣብኣ ይወድቕ፣+ መንደቕ ዜፍርስ ከኣ፡ ተመን ይነኽሶ።  ኣእማን ዚፍንቅል፡ ብእኡ ይጕዳእ፣ ዕንጨይቲ ዚፍልጽ ድማ፡ ብእኡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ።* 10  ንዋት ሓጺን እንተ ጐዲሙ እሞ ንብልሑ እንተ ዘይስሒልካዮ፡ ብዙሕ ሓይሊ ኸተውጽእ ኢኻ። ጥበብ ግና ኣሳልጦ ንምርካብ ትሕግዝ። 11  ተመን ከይተዓዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰ፡ ክኢላ ዓዛሚ* ጥቕሚ የብሉን። 12  ቃላት ኣፍ ጥበበኛ ሞገስ የምጽእ፣+ ንዓሻ ግና ከናፍሩ የጥፍኦ።+ 13  ካብ ኣፉ ዚወጽእ ናይ መጀመርታ ቓላት፡ ዕሽነት እዩ፣+ ናይ መወዳእታ ቓላቱ ድማ፡ ዜጥፍእ ጽላለ እዩ። 14  ግናኸ፡ ዓሻ ብዙሕ ይዛረብ።+ ሰብሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይፈልጥን እዩ፣ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዚመጽእ ደኣ መን ኪነግሮ ይኽእል፧+ 15  ዓሻስ ናብ ከተማ ንምኻድ ከመይ ገይሩ መገዱ ኸም ዚረክብ እኳ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ። 16  ቈልዓ ዝንጉሳ፡ ኣንጊሆም ብብዝሒ ዚበልዑ ዝመሳፍንታ ምድሪ፡ ክንደይ ኰን መከረኛ እያ!+ 17  ወዲ ልዑላን ዝንጉሳ፡ ንስኽራን ዘይኰነስ፡ ንብርታዐ ኪዀኖም ብግቡእ ግዜ ዚበልዑ ዝመሳፍንታ ምድሪ፡ ክንደይ ኰን ሕጕስቲ እያ!+ 18  ብሰሪ ብዙሕ ትህኪት፡ ኣግማል ናሕሲ ይዘጥጥ፣ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው፡ ቤት ተልሕዅ።+ 19  እንጌራ ንሰሓቕ ይግበር፣ ወይኒ ድማ ንህይወት እተሐጕስ ይገብራ፣+ ገንዘብ ከኣ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ የማልእ።+ 20  ዑፍ* ንድምጽኻ* ኸተመሓላልፎ፡ ኣኽናፍ ዘለዋ ፍጥርቲ ድማ ዝበልካዮ ኽትደግም ትኽእል እያ እሞ፡ ብሓሳብካ* እኳ ንንጉስ ኣይትርገሞ፣+ ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ድማ ንሃብታም ኣይትርገሞ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ዓሻ ኣብ ጸጋሙ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈስ፣ ትንፋስ።”
ወይ፡ “ክኢላታት።”
ወይ፡ “ኪጥንቀቐሉ ኣለዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ጐይታ ልሳን።”
ቃ.ቃ.፡ “በራሪ ፍጡር ሰማያት።”
ወይ፡ “መልእኽትኻ።”
ወይ፡ “ኣብ ዓራትካ” ኪኸውን ይኽእል።