ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መክብብ 1:1-18

ትሕዝቶ

  • ኵሉ ኸንቱ እዩ (1-11)

    • ምድሪ ንዘለኣለም ትነብር (4)

    • ተፈጥሮኣዊ ዑደት ይቕጽል (5-7)

    • ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር የልቦን (9)

  • ጥበብ ሰብ ድሩት እዩ (12-18)

    • ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ (14)

1  ቃላት እቲ ኣካቢ፡+ ወዲ ዳዊት፡ ንጉስ የሩሳሌም።+   “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት!” ይብል እቲ ኣካቢ፡ “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት! ኵሉ ኸንቱ እዩ!”+   ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉ ዅሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረክብ፧+   ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።*+   ጸሓይ ትበርቕ፡* ጸሓይ ድማ ትዓርብ፣ ተቐላጢፋ* እውን ናብቲ መሊሳ እትበርቀሉ ቦታ ትምለስ።+   ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከኣ ይዘውር፣ ኰሊሉ ዀሊሉ ብቐጻሊ ይዘውር፣ ንፋስ ኣዘውቲሩ ይዘውር።   ኵሉ ወሓይዝ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፣ ባሕሪ ግና ኣይመልእን።+ ከም ብሓድሽ ኪውሕዝሲ፡ ናብቲ ወሓይዝ ኪውሕዝ ዝጀመረሉ ቦታ ይምለስ።+   ኵሉ ነገር ኣድካሚ እዩ፣ ሰብ ብዛዕባኡ ኺዛረብ እኳ ኣይክእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትዓግብን፣ እዝኒ ድማ ብምስማዕ ኣይትመልእን።   እቲ ዝነበረ እዩ ዚመጽእ፣ እቲ እተገብረ ኸኣ እዩ መሊሱ ዚግበር፣ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር የልቦን።+ 10  “እንሆ፡ እዚ ሓድሽ እዩ” ዚብሃል ነገር ኣሎዶ፧ ድሮ ኻብ ቀደም ዝነበረ እዩ፣ ድሮ ቕድሚ ግዜና ዝነበረ እዩ። 11  ነቶም ቀዳሞት ሰባት ሓደ እኳ ኣይዝክሮምን፣ ነቶም ደሓር ዝመጹ እውን ዚዝክሮም ኣይኪህሉን እዩ፣ ንሳቶም እውን በቶም ገና ብድሕሪኡ ዚመጹ ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 12  ኣነ ኣካቢ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ።+ 13  ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንእተገብረ ዅሉ፡—ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪጽዕሩሉ ዝሃቦም ሕማቕ ዕዮ፡—ብጥበብ+ ከጽንዕን ክምርምርን ልበይ ኣንቀድኩ።+ 14  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እተገብረ ዅሉ ዕዮ ረኣኹ፣ እንሆ ኸኣ፡ ኵሉ ኸንቱ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።+ 15  ቄናን ኪቃናዕ ኣይከኣልን፣ ዝጐደለ እውን ኪቝጸር ኣይከኣልን። 16  ኣነ ኸኣ ብልበይ፡ “እንሆ፡ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ፡ ዓብዪ ጥበብ ኣጥርየ፣+ ልበይ ድማ ዓብዪ ጥበብን ፍልጠትን ረኺቡ” በልኩ።+ 17  ልበይ ከኣ ጥበብ ናብ ምፍላጥን ጽላለ* ናብ ምፍላጥን ዕሽነት ናብ ምፍላጥን ከም ዜቕልብ ገበርክዎ፣+ እዚ እውን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 18  ብዝሒ ጥበብሲ፡ ብዝሒ ብስጭት እዩ ዜምጽእ፣ ስለዚ፡ ፍልጠት ዚውስኽ፡ ስቓይ እዩ ዚውስኽ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ትቐውም።”
ወይ፡ “ትበርህ።”
ወይ፡ “እናላህልሀት።”
ወይ፡ “እምብዛ ዕሽነት።”