ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መሳፍንቲ 2:1-23

ትሕዝቶ

  • መልኣኽ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ (1-5)

  • ሞት እያሱ (6-10)

  • ንእስራኤል ንምድሓን፡ መሳፍንቲ ተንስኡ (11-23)

2  መልኣኽ የሆዋ+ ድማ ካብ ጊልጋል+ ናብ ቦኪም ደዪቡ፡ ከምዚ በለ፦ “ካብ ግብጺ ኣውጺአ፡ ናብታ ንኣቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣደየብኩኹም።+ ከምዚ ድማ በልኩኹም፦ ‘ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ከቶ ኣይከፍርሶን እየ።+  ንስኻትኩም እውን ምስ ነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኺዳን ኣይትእተዉ፣+ መሰውኢታቶም ከኣ ኣፍርሱ።’+ ንስኻትኩም ግና፡ ድምጸይ ኣይሰማዕኩምን።+ ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧  ስለዚ ድማ እየ፡ ‘ካብ ቅድሜኹም ኣይክሰጕጎምን እየ፣+ ንሳቶም ከኣ መፈንጠራ ኪዀኑኹም፡+ ኣማልኽቶም እውን ኬስድዑኹም እዮም’ ዝበልኩ።”+  እቲ መልኣኽ የሆዋ ንዅሎም እስራኤላውያን እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ።  ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ቦኪም* ኢሎም ሰመይዋ፣ ኣብኣ ኸኣ ንየሆዋ ሰውኡሉ።  እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ኺርስተዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ኸደ።+  እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዅሉ ዘመን እያሱን ብዅሉ ዘመን እቶም ድሕሪ እያሱ ዝጸንሑ እሞ ዅሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ዝገበሮ ዓብዪ ግብርታት ዝረኣዩ ዓበይትን፡ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ።+  እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።+  ኣብታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ+ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ እትብሃል ዓዲ ርስቱ ኸኣ ቀበርዎ።+ 10  ኵሉ እቲ ወለዶ እቲ ድማ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ፣* ድሕሪኦም ከኣ፡ ንየሆዋ ወይ ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስአ። 11  እስራኤላውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፡ ንበዓላት እውን ኣገልገሉ።*+ 12  በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓደግዎ።+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ከኣ ሰዓቡ፣+ ንዓታቶም እውን ሰገዱሎም እሞ፡ ንየሆዋ ኣዀረይዎ።+ 13  ንየሆዋ ሓዲጎም ድማ፡ ንበዓልን ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣገልገሉ።+ 14  ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ዚዘምትዎም ዘመትቲ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ጸላእቶም ድማ ሸጦም፣+ ናታቶም ዘበለ ኸኣ ካብ ጸላእቶም ኬናግፉ ኣይከኣሉን።+ 15  ከምቲ የሆዋ እተዛረቦምን ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሎምን፡+ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም መዓት ብምምጻእ ትጻረሮም ነበረት፣+ ኣመና ድማ ጨነቖም።+ 16  የሆዋ ኸኣ ካብ ኢድ ዘመትቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ* የተንስኣሎም ነበረ።+ 17  ንሳቶም ግና ነቶም መሳፍንቲ እኳ ኣይሰምዕዎምን፣ ምስ ካልኦት ኣማልኽቲ ይምንዝሩን ንዓታቶም ይሰግዱሎምን ነበሩ። ካብታ እቶም ትእዛዛት የሆዋ እተኣዘዙ ኣቦታቶም ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣልገሱ።+ ከማታቶም እውን ኣይገበሩን። 18  የሆዋ በቲ ብሰንኪ እቶም ዝጨቈንዎምን+ ዝገፍዕዎምን ዚቝዝምዎ ቝዝማ ይድንግጸሎም*+ ነበረ እሞ፡ የሆዋ፡ መሳፍንቲ ኼተንስኣሎም ከሎ፡+ የሆዋ ምስቲ መስፍን ኰይኑ፡ ብዅሉ ዘመን እቲ መስፍን ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። 19  እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓብን ንዓታቶም ብምግልጋልን ብምስጋድን፡ ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ይበላሸዉ ነበሩ።+ ግብሮምን መገዲ ንቕጽናኦምን ኣይሓደጉን። 20  ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡+ ከምዚ በሎም፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ንኣቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዝጠሓሱን+ ንዓይ ስለ ዘይተኣዘዙንን፡+ 21  ኣነ ድማ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሓደጎም ኣህዛብ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቅድሚኦም ኣይክሰጕጕን እየ።+ 22  እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለዉ፡ ንሳቶም እውን ብእኡ ብምምልላስ መገዲ የሆዋ ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም፡ ንእስራኤል ንምፍታን እዩ።”+ 23  ስለዚ፡ የሆዋ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ሓደጎም። ቀልጢፉ ኣይሰጐጎምን፡ ኣብ ኢድ እያሱ እውን ኣይሃቦምን።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “በኸይቲ።”
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።
ወይ፡ “ኣምለኹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ፈራዶ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ይጠዓስ።”