ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መሳፍንቲ 13:1-25

ትሕዝቶ

  • መልኣኽ ንማኖኣን ንሰበይቱን በጽሖም (1-23)

  • ልደት ሲምሶን (24, 25)

13  እስራኤላውያን ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣+ የሆዋ ኸኣ ን40 ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን+ ኣሕሊፉ ሃቦም።  ሽዑ፡ ማኖኣ+ ዝስሙ ብዓል ጾርዓ፡+ ካብ ዓሌት ዳናውያን+ ዝዀነ ሰብኣይ ነበረ። ሰበይቱ ድማ መኻን ነበረት፡ ውሉድ ከኣ ኣይነበራን።+  መልኣኽ የሆዋ ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ፡ ከምዚ ኸኣ በላ፦ “እንሆ፡ መኻን ኢኺ፡ ውሉድ ድማ የብልክን። ግናኸ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ።+  ሕጂ ኸኣ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኸይትሰትዪ፡+ ርኹስ ዘበለ ድማ ከይትበልዒ ተጠንቀቒ።+  እንሆ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ኣትሒዙ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ስለ ዚኸውን፡ ንርእሱ መላጸ ኣይተንክፎ።+ ንሱ ኸኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።”+  እታ ሰበይቲ ድማ፡ ከይዳ ንሰብኣያ ኸምዚ ኢላ ነገረቶ፦ “ትርኢቱ ኸም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚመስል፡ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ካበይ ከም ዝመጸ ኣይሓተትክዎን፡ ንሱ እውን ስሙ ኣይነገረንን።+  ግናኸ፡ ‘እንሆ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ኣትሒዙ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ስለ ዚኸውን፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዪ፡ ርኹስ ዘበለ ድማ ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ።”  ማኖኣ ኸኣ ንየሆዋ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ እቲ ዝለኣኽካዮ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና” ኢሉ ለመነ።  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንማኖኣ ሰምዖ፣ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብኣ መሊሱ መጸ፣ ሰብኣያ ማኖኣ ግና ምስኣ ኣይነበረን። 10  እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ “እንሆ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ ተራእዩኒ” ኢላ ነገረቶ።+ 11  ማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ምስ ሰበይቱ ኸደ። ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ “ንሰበይተይ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እየ” በሎ። 12  ማኖኣ ድማ፡ “ቃልካ ይፈጸም! ኣነባብራ እቲ ቘልዓን ዕዮኡን እንታይ ኪኸውን እዩ፧” በሎ።+ 13  እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንማኖኣ፡ “ሰበይትኻ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትተሓሎ።+ 14  ካብ ፍረ ወይኒ ዚዳሎ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ድማ ኣይትስተ፡+ ርኹስ ዘበለ እውን ኣይትብላዕ።+ ዝኣዘዝክዋ ዘበለ ዅሉ ትሓሉ” በሎ። 15  ማኖኣ ኸኣ ነቲ መልኣኽ የሆዋ፡ “ማሕስእ ከነዳልወልካስ፡ በጃኻ ጽናሕ” በሎ።+ 16  እቲ መልኣኽ የሆዋ ግና ንማኖኣ፡ “እንተ ጸኒሐ እውን፡ እንጌራኻ ኣይበልዕን እየ፣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኸተቕርበሉ እንተ ደሊኻ ግና፡ ከተቕርበሉ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ማኖኣ፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። 17  ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ የሆዋ፡ “ቃልካ ምስ ተፈጸመ ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧” በሎ።+ 18  እቲ መልኣኽ የሆዋ ግና፡ “ስመይ ግሩም ምዃኑ ኻብ ረኣኻስ፡ ስለምንታይ ብዛዕባኡ እትሓትት፧” በሎ። 19  ማኖኣ ኸኣ ማሕስእን መስዋእቲ እኽልን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንየሆዋ ኣቕረበሉ። ማኖኣን ሰበይቱን እናረኣዩ ኸኣ፡ ንሱ ሓደ ዜገርም ነገር ገበረ። 20  እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ፡ ማኖኣን ሰበይቱን እናረኣዩ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ በቲ ሃልሃልታ እቲ መሰውኢ ዓረገ። ሽዑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ። 21  እቲ መልኣኽ የሆዋ ድማ ንማኖኣን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ፡ ማኖኣ፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጠ።+ 22  ማኖኣ ኸኣ ንሰበይቱ፡ “ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና” በላ።+ 23  እታ ሰበይቱ ግና፡ “የሆዋ ኪቐትለና እንተ ዚደልስ፡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉ እውን ኣይመርኣየናን፡ ዋላ ሓደ ኻብዚ ነገር እዚ እውን ኣይምነገረናን” በለቶ። 24  እታ ሰበይቲ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ሲምሶን+ ኢላ ድማ ሰመየቶ፣ እቲ ቘልዓ ኺዓቢ ኸሎ፡ የሆዋ ይባርኾ ነበረ። 25  ኣብ መሓነ-ዳን፡+ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን+ ድማ፡ መንፈስ የሆዋ ኺድርኾ ጀመረ።+

እግረ ጽሑፍ