ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መሳፍንቲ 1:1-36

ትሕዝቶ

  • ይሁዳን ስምኦንን ዝሓዝዎ ቦታታት (1-20)

  • ይቡሳውያን ካብ የሩሳሌም ኣይለቐቑን (21)

  • ዮሴፍ ንቤት-ኤል ሓዛ (22-26)

  • ከነኣናውያን ጠሪሶም ኣይተሰጕጉን (27-36)

1  ድሕሪ ሞት እያሱ፡+ እስራኤላውያን* ንየሆዋ፡ “ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ፡ ካባና መን ቅድም ይደይብ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+  የሆዋ ኸኣ፡ “ይሁዳ ይደይብ።+ እንሆ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ እህቦ* ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።  ይሁዳ ድማ ንስምኦን ሓዉ፡ “ምስ ከነኣናውያን ክዋጋእሲ፡ ናብ ብጽሒተይ* ምሳይ ደይብ።+ ኣነ ኸኣ ናብ ብጽሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ” በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ።  ይሁዳ ምስ ደየበ፡ የሆዋ ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሃቦም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቤዜቅ ን10,000 ሰብኡት ሰዓሩ።  ንኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፣ ንከነኣናውያንን+ ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዓርዎም።+  ኣዶኒ-ቤዜቅ ምስ ሃደመ፡ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፡ ዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቈረጽዎ።  ሽዑ፡ ኣዶኒ-ቤዜቅ፡ “ዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ 70 ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ዚብላዕ ይኣርዩ ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈድዩኒ” በለ። ድሕርዚ፡ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡+ ኣብኣ ድማ ሞተ።  ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንየሩሳሌም ተዋግእዋን+ ሓዝዋን፣ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ፣ ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዋ።  ድሕሪኡ፡ ሰብ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኣኽራንን ኣብ ነጌብን ኣብ ሼፈላን ዚነብሩ ከነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ።+ 10  ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከደ፣ (ቅድሚኡ ስም ኬብሮን፡ ቂርያት-ኣርባዕ ነበረ)፣ ንሸሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ከኣ ወቕዕዎም።+ 11  ካብኡ ድማ ንነበርቲ ደቢር ኪጻረሩ ኸዱ።+ (ቅድሚኡ ስም ደቢር፡ ቂርያት-ሰፈር ነበረ።)+ 12  ካሌብ ከኣ፡+ “ንቂርያት-ሰፈር ዚወቕዓን ዚሕዛን፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ” በለ።+ 13  ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡+ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ ድማ ሓዛ። ስለዚ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 14  ንሳ ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን ደፋፍኣቶ። ካብ ኣድጋ ድማ ወረደት።* ካሌብ ከኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተታ። 15  ንሳ ኸኣ፡ “በረኸት ግዳ ሃበኒ፣ ኣብ ደቡብሲ* ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ፣ ጉሎት-ማይም* እውን ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ጉሎትን ታሕተዋይ ጉሎትን ሃባ። 16  ደቂ ቄኒ+ ሓሙ ሙሴ ኸኣ፡+ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ኣእዋም ተምሪ+ ናብቲ ብደቡብ ዓራድ ዘሎ በረኻ ይሁዳ ደየቡ።+ ናብኡ ኸይዶም ድማ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጡ።+ 17  ይሁዳ ኸኣ ምስ ሓዉ ስምኦን ከደ፣ ነቶም ኣብ ጽፋት ዚነብሩ ከነኣናውያን ድማ ኣጥቅዕዎም፡ ንዓኣ ኸኣ ኣጥፍእዋ።+ ስለዚ፡ ስም እታ ኸተማ፡ ሖርማ* ተባህለ።+ 18  ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን+ ንኸባቢኣን ንኣሽቀሎንን+ ንኸባቢኣን ንዔቅሮንን ንኸባቢኣን ሓዘን።+ 19  የሆዋ ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቲ ኣኽራን ተረስተይዎ፣ ንነበርቲ እቲ ጐልጐል* ግና፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት* ስለ ዝነበራኦም፡ ኪሰጕግዎም ኣይከኣሉን።+ 20  ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ፡ ኬብሮን ሃብዎ፣+ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ሰጐጎም።+ 21  ብንያማውያን ግና ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ኣይሰጐጕዎምን፣ እቶም ይቡሳውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስ ብንያማውያን ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ኣለዉ።+ 22  ቤት ዮሴፍ+ ድማ ንቤት-ኤል ኪጻረርዋ ደየቡ፡ የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም ነበረ።+ 23  ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ይስልይዋ ነበሩ፣ (ቅድሚኡ ስም እታ ኸተማ፡ ሉዝ ነበረ)፣+ 24  እቶም ሰለይቲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ረኣዩ። ንዕኡ ድማ፡ “በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ክንልውሃልካ* ኢና” በልዎ። 25  እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ መእተዊ እታ ኸተማ ኣርኣዮም፣ ንሳቶም ድማ ነታ ኸተማ ብሰይፊ ወቕዕዋ፣ ነቲ ሰብኣይን ንዓሌቱን ግና ይኺዱ ሓደግዎም።+ 26  እቲ ሰብኣይ ከኣ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ፡ ከተማ ሰርሐ እሞ፡ ሉዝ ኢሉ ሰመያ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ስማ ንሱ እዩ። 27  ምናሴ ኸኣ ንቤት-ሸኣንን ንዓድታታን፡ ንታዓናክን+ ንዓድታታን፡ ንነበርቲ ዶርን ዓድታታን፡ ንነበርቲ ዪብልዓምን ዓድታታን፡ ንነበርቲ መጊዶን ዓድታታን ኣይወረሶምን።+ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኺነብሩ ቘረጹ። 28  እስራኤል ምስ በርትዐ፡ ነቶም ከነኣናውያን ብግዲ ኣሸቀሎም እምበር፡+ ጠሪሱ ኣይሰጐጎምን።+ 29  ኤፍሬም እውን ነቶም ኣብ ጌዘር ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጎምን። እቶም ከነኣናውያን ድማ ኣብ መንጎኦም ኣብ ጌዘር ተቐመጡ።+ 30  ዛብሎን ንነበርቲ ቂጥሮንን ንነበርቲ ናሃሎልን ኣይሰጐጎምን።+ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ መንጎኦም ተቐመጡ፡ ብግዲ ዚሽቅሉ እውን ኰኑ።+ 31  ኣሴር ንነበርቲ ዓኮን ንነበርቲ ሲዶንን+ ኣሕላብን ኣክዚብን+ ሔልባን ኣፊቅን+ ሬሖብን ኣይሰጐጎምን።+ 32  ኣሴራውያን ስለ ዘይሰጐጕዎም ድማ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ተቐመጡ። 33  ንፍታሌም ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ተቐመጠ እምበር፡+ ንነበርቲ ቤት-ሸመሽን ንነበርቲ ቤት-ዓናትን+ ኣይሰጐጎምን። ነበርቲ ቤት-ሸመሽን ቤት-ዓናትን ከኣ ንዓታቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ዀኑ። 34  እቶም ኣሞራውያን ድማ ንዳናውያን ኣብ ኣኽራን ደረትዎም እምበር፡ ናብ ጐልጐል* ኪወርዱ ኣይሓደግዎምን።+ 35  እቶም ኣሞራውያን ከኣ ኣብ ከረን ሔረስን ኣብ ኣያሎንን+ ኣብ ሻዓልቢምን+ ኪቕመጡ ቘረጹ። ቤት ዮሴፍ እናሓየለት* ምስ ከደት ግና፡ ብግዲ ዚሽቅሉ ዀኑ። 36  ሃገር ኣሞራውያን ድማ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም፡+ ካብ ሴላዕ ናብ ላዕሊ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ወይ፡ “ሂበዮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕጫይ።”
ወይ፡ “ኣብ ኣድጊ ኸላ ብኣእዳዋ ኣጣቕዐት” ኪኸውን ይኽእል። ማለት፡ ቈላሕታ ንምርካብ።
ወይ፡ “ነጌብ።”
ትርጉሙ፡ “ለሰታት (ጭሔሎታት) ማይ።”
ትርጉሙ፡ “ንጥፍኣት ምምጣው።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰረገላታት ሓጺን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብተኣማንነት ከነፍቅረካ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድ ቤት ዮሴፍ እናኸበደት።”