ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መሃልየ መሃልይ 7:1-13

7  “ኣቲ ኽብርቲ ጓል፡ ኣእጋርኪ ኣብ ኣሳእንኪ ኽንደይ ይጽብቓ! ቅርጺ ሰለፍኪ ኸም ስልማት፡ ከም ዕዮ ኢደ ጥበበኛ እዩ።   ሕምብርትኺ ኸቢብ ጭሔሎ እዩ። እተሓዋወሰ ወይኒ ኣይጕደሎ። ከብድኺ ብዕምባባታት ሹሻን ከም እተኸብበ ኵምራ ስርናይ እዩ።   ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸም ክልተ ማሕስእ፡ ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።+   ክሳድኪ+ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ።+ ኣዒንትኺ+ ኸምተን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ባት-ራቢም ዘለዋ ሓጽብታት ሔስቦን+ እየን። ኣፍንጫኺ ኸምቲ ናብ ደማስቆ ገጹ ዜርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ።   ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፣+ ዘው ዚብል ጸጕርኺ*+ ኸምቲ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ።+ ንጉስ በቲ ዛውያኺ ተማሪኹ።*   ፍቕርተየ፡ ካብ ኵሉ ኣዝዩ ደስ ዜብል ንላዕልስ ክንደይ ትጽብቒ፡ ክንደይከ ባህ ተብሊ!   ቍመትኪ ኸም ኦም ስየ፡ ኣጥባትኪ ኸም ዘለላታት ተምሪ እዩ።+   ‘ኣብ ኦም ስየ ኽድይብ፡ ነቲ ጨናፍር ምስ ፍሪኡ ኽሕዝ እየ’ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ ትንፋስኪ ኸኣ ከም ቱፋሕ ምዑዝ ይኹን።   ኣፍኪ* ድማ ከም ብሉጽ ወይኒ ይኹን።” “ከምቲ ኣብ ከናፍር እቶም ዝደቀሱ ቐስ ኢሉ ዚፈስስ፡ ንፍቱወይ ሰተት ኢሉ ይውረደሉ። 10  ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣+ ትምኒቱ ኸኣ ናባይ እዩ። 11  ፍቱወየ፡ ንዓ፣ ናብ መሮር ንውጻእ፣ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ሒና ንኹን።+ 12  ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡* ጐጕማ እንተ ነቒዑ፡+ ሮማን እውን እንተ ዓምቢቡ ኽንርኢ፡+ ኣንጊህና ተንሲእና ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኺድ።+ ኣብኡ ፍትወተይ ክገልጸልካ እየ። 13  ፍረታት ማንድራጎራ+ መዓዛኡ ይህብ፣ ኣብ ኣፍ ደገታትና ዅሉ ዓይነት ብሉጽ ፍረታት ኣሎ።+ ፍቱወየ፡ ሓድሽን ዝጸንሐን ዓቚረልካ ኣለኹ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ርእስኺ።”
ወይ፡ “ተኣሲሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ትንሓግኪ።”
ወይ፡ “ኣጒሙ።”