ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 24:1-53

ትሕዝቶ

  • የሱስ ተንስአ (1-12)

  • ናብ ኤማሁስ ኣብ እትወስድ መገዲ (13-35)

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም (36-49)

  • የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ (50-53)

24  ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና፡ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።+  እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ፣+  ምስ ኣተዋ ድማ፡ ሬሳ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን።+  በዚ ደንጽዩወን ከሎ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።  ፈሪሀን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ “ስለምንታይ ነቲ ህያው ኣብ መንጎ ምዉታት ትደልያኦ ኣለኽን፧+  ኣብዚ የሎን፡ ተንሲኡ እዩ። ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ እንታይ ከም እተዛረበ ዘክራ፣  ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብን ኪስቀልን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ” በልወን።+  ንሳተን ከኣ ነቲ ዘረባኡ ዘከራኦ፣+  ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ንዅሎም ካልኦትን ነገራኦም።+ 10  ንሳተን፡ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ነበራ። ምሳታተን ዝነበራ ኻልኦት ኣንስቲ እውን፡ እዚ ንሃዋርያት ይነግራኦም ነበራ። 11  እዚ ዘረባ እዚ ግና፡ ሃተውቀጠው ኰይኑ ተራእዮም፡ ኣይኣመንወንን ከኣ። 12  ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፣ ድንን ኢሉ ኸኣ፡ በፍታ ጥራይ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመ እውን ከደ። 13  እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም 11 ኪሎ ሜተር ኣቢላ* ናብ እትርሕቕ ኤማሁስ እትብሃል ቍሸት ይኸዱ ነበሩ፣ 14  ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ፡ ይዛራረቡ ነበሩ። 15  ብዛዕባ እዚ ኺዛራረቡን ኪመያየጡን ከለዉ ድማ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ፣ 16  ኣዒንቶም ግና ኬለልያኦ ኣይከኣላን።+ 17  ንሱ ድማ፡ “እናኸድኩም እትዛራረቡሉ ዘለኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ ገጾም ብጕሁዩ ደው በሉ። 18  ሓደ ቀለዮጳ ዝስሙ ድማ፡ “በዘን መዓልትታት እዚአን ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ኣብኣ በይንኻ እትቕመጥ ጋሻ ዲኻ፧”* ኢሉ መለሰሉ። 19  ንሱ ኸኣ “እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ከምዚ በልዎ፦ “እዚ ናይ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነገር፡+ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ዝነበረ ነብዪ፣+ 20  ሊቃውንቲ ኻህናትናን ኣሕሉቕናን ከመይ ገይሮም ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን+ ከም ዝሰቐልዎን፣ 21  ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ ኸም ዝዀነ ተስፋ ንገብር ኔርና።+ ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ኸኣ፡ እዚ ኻብ ዚኸውን፡ ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22  ግናኸ፡ ካባታትና ገለ ኣንስቲ ኣስተንኪረናና፣ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከይደን ነይረን፣+ 23  ሬሳኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን መላእኽቲ ብራእይ ከም ዝረኣያ መጺአን ነጊረናና። 24  ገለ ኻብቶም ምሳና ዝነበሩ ናብቲ መቓብር ከይዶም፣+ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ኸኣ ረኺቦምዎ፣ ንዕኡ ግና ኣይረኣይዎን።” 25  ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ንዅሉ እቲ ነብያት እተዛረብዎ ንምእማን ልቦም ዝድንጉይ ዓያሹ! 26  ክርስቶስ እዚ መከራ እዚ ኺጸግብን+ ናብ ክብሩ ኺኣቱን+ ናይ ግዲ ደይኰነን፧” በሎም። 27  ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ ኸኣ፡+ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተርጐመሎም። 28  ናብታ ዚኸድዋ ዝነበሩ ቝሸት ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ሓሊፉ ኸም ዚኸይድ መሰለ። 29  ንሳቶም ግና፡ “መስዩ እዩ፡ መዓልቲ እውን ዳርጋ ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር” ኢሎም ግዲ በልዎ። ንሱ ድማ ምሳታቶም ኪሓድር ኣተወ። 30  ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ ሃቦም።+ 31  ሽዑ፡ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ፡ ኣለለይዎ፣ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።+ 32  ንሓድሕዶም ከኣ፡ “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ። 33  በታ ሰዓት እቲኣ ተንሲኦም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ፣ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዝነበሩን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም፣ 34  “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እውን ተራእይዎ” ኺብሉ ኸኣ ጸንሕዎም።+ 35  ንሳቶም ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ብኸመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም።+ 36  እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው በለ፣ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” ድማ በሎም።+ 37  ተሸቢሮምን ፈሪሆምን ስለ ዝነበሩ ግና፡ መንፈስ ዝረኣዩ መሰሎም። 38  ንሱ ኸኣ፡ “ስለምንታይ እትርበሹ፧ ስለምንታይከ ኣብ ልብኹም ጥርጣረ ዚፍጠር፧ 39  ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ፣ መንፈስሲ ኸምዚ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምስሱንን ርኣዩንን” በሎም። 40  እዚ ኢሉ ኸኣ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41  ካብ ሓጐስ እተላዕለ ምእማን ስኢኖም ኪግረሙ ኸለው፡ ንሱ፡ “ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኩም፧” በሎም። 42  ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳ ሃብዎ፣ 43  ንሱ ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዐ። 44  ንሱ ኸኣ፡ “እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ኣብ ነብያትን ኣብ መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ+ ኺፍጸም ከም ዚግባእ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ” በሎም።+ 45  ሽዑ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ኣጸቢቑ ኸፈተሎም፣+ 46  “ከምዚ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ፦ ክርስቶስ መከራ ኺጸግብ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡+ 47  ብስሙ ኸኣ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ንስሓ+ ኻብ የሩሳሌም ጀሚሩ+ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ እዩ፣+ 48  ንስኻትኩም ናይዚ መሰኻኽር ክትኰኑ ኢኹም።+ 49  እንሆ ድማ፡ እቲ ኣቦይ ዘተስፈወኩም ክሰድደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብዛ ኸተማ ጽንሑ” እውን በሎም።+ 50  ናብ ወጻኢ ድማ፡ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፣ ኣእዳዉ ኣልዒሉ እውን ባረኾም። 51  ኪባርኾም ከሎ ኸኣ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይ እውን ተወስደ።+ 52  ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስ እውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።+ 53   ንኣምላኽ እናወደሱ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “60 ስታድያ።” ሓደ ስታድዩም 185 ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “በዘን መዓልትታት እዚአን ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥ ጋሻስ ንስኻ በይንኻ ዲኻ፧” ኪኸውን ይኽእል።