ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 21:1-38

ትሕዝቶ

  • ድኻ መበለት ዘውደቐተን ክልተ ሰናቲም (1-4)

  • ምልክት እቲ ዚመጽእ (5-36)

    • ውግእ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ለበዳ፡ ጥሜት (10, 11)

    • የሩሳሌም ብሰራዊት ምስ ተኸብበት (20)

    • ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ (24)

    • ምምጻእ ወዲ ሰብ (27)

    • ምሳሌ እታ ኦም በለስ (29-33)

    • ንቕሑ (34-36)

  • የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ መሃረ (37, 38)

21  ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ መመጽወቲ ኼውድቑ ረኣየ።+  ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም* ከተውድቕ ከላ ረኣየ+  እሞ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵላቶም ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ።+  ኵላቶምሲ ኻብ ተረፎም እዮም መባእ ኣውዲቖም፡ ንሳ ግና ካብ ስእነታ፡* ኵሉ መነባብሮኣ እያ ኣውዲቓ” በለ።+  ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብወፈያን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ ኺዛረቡ ኸለዉ፡+  ንሱ፡ “እዚ እትርእይዎ ዘለኹም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን” በሎም።+  ንሳቶም ከኣ፡ “መምህር፡ እዚ መዓስ ኰን ኪኸውን እዩ፧ እዚ መዓስ ከም ዚኸውን ዚሕብር ምልክትከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+  ንሱ ኸኣ፡ “‘ኣነ እየ’ ድማ ‘ግዜኡ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡+ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።+ ኣይትስዓብዎም።  ውግእን ህውከትን* ምስ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ቕድም ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ” በሎም።+ 10  ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡+ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ።+ 11  ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ፣+ መፍርህታትን ካብ ሰማይ ዓበይቲ ትእምርትታትን ኪኸውን እዩ። 12  “ቅድሚ እዚ ዅሉ ግና፡ ኪሕዙኹምን ኪሰጕጉኹምን፡+ ናብ ምኵራባትን ኣብያተ ማእሰርትን ከኣ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም እዮም። ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ሹማምንትን ክትቀርቡ ኢኹም።+ 13  እዚ ድማ ክትምስክሩ ኬኽእለኩም እዩ። 14  እምበኣር፡ ከመይ ከም እትማጐቱ፡ ኣቐዲምኩም ከይትሓስቡ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ፣+ 15  ከመይሲ፡ ኵሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ።+ 16  ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን እውን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ንገለ ኻባኻትኩም ከኣ ኪቐትሉ እዮም፣+ 17  ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም።+ 18  ግናኸ፡ ካብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ።+ 19  ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም።*+ 20  “ግናኸ፡ የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም፡+ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።+ 21  ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፣+ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፣ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉ እውን ናብኣ ኣይእተዉ፣ 22  እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እዚኣተን ፍትሒ ዚወጸለን መዓልትታት* እየን። 23  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን።+ ከመይሲ፡ ኣብታ ምድሪ ብርቱዕ ጭንቂ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ ቍጥዓ ኪኸውን እዩ። 24  ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብ እውን ኪማረኹ እዮም፣+ ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገጽ እያ።+ 25  “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ፡ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ፣+ ኣብ ምድሪ እውን ኣህዛብ ብሰንኪ ደሃይ ባሕርን ነውጹን መዋጽኦ ብዘይምፍላጦም፡ ኪጭነቑ እዮም። 26  ሓይልታት ሰማያት ኪናወጹ እዮም እሞ፡ ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ። 27  ሽዑ፡ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡+ ኪርእይዎ እዮም።+ 28  እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ።” 29  ከምዚ ኢሉ ድማ ሓንቲ ምሳሌ መሰለሎም፦ “ንኦም በለስን* ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፦+ 30  ኪጥጥዕ ምስ ረኣኹም፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31  ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። 32  ኵሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 33  ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 34  “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን+ ጭንቀት ናብራን+ ንልብኹም ከይከብዶ እሞ፡ ብሃንደበት ከኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም መፈንጠራ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡+ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 35  ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ገጽ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩስ፡ ክትመጽእ እያ። 36  እምበኣር፡ ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኸተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ምእንቲ ኽትቈሙን፡+ ኵሉ ሳዕ እናተማህለልኩም+ ንቕሑ።”+ 37  መዓልቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ፣ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ደብረ ዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ከይዱ ይሓድር ነበረ። 38  ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኪሰምዖ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ይመጽእ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ክልተ ለብጣ።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ድኽነታ።”
ወይ፡ “ናዕብን።”
ወይ፡ “ንነፍስኹም ብተጻዋርነትኩም ከተጥርይዋ ኢኹም።”
ወይ፡ “መዓልትታት ሕነ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ እስራኤል፡ ሓጋይ ኣእዋም ዚፈርየሉ ወቕቲ እዩ።