ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 19:1-48

ትሕዝቶ

  • የሱስ ንዘኬዎስ በጽሖ (1-10)

  • ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና (11-27)

  • የሱስ ብዓጀባ ኣተወ (28-40)

  • የሱስ ንየሩሳሌም በኸየላ (41-44)

  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ (45-48)

19  ናብ ያሪኮ ኣትዩ ኸኣ፡ ብእኣ ይሓልፍ ነበረ።  ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽ ነበረ፡ ሃብታም እውን ነበረ።  ንየሱስ መን ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፣ ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ህዝቢ፡ ኣይከኣለን።  የሱስ በታ መገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ቕድሚት ጐይዩ፡ ኪርእዮ ኣብ ሳግላ ሓዀረ።  የሱስ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠመቶ እሞ፡ “ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ።  ንሱ ኸኣ ቀልጢፉ ወረደ፡ ተሓጒሱ እውን ተቐበሎ።  እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ “ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣትዩ” ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ።+  ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፍርቂ ንብረተይ ንድኻታት እህብ ኣለኹ፣ ዝዘረፍክዎ* እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በሎ።+  የሱስ ድማ፡ “ንሱ እውን ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ድሕነት ኰይኑላ። 10  ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ” በለ።+ 11  ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ስለ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቕጽበት እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ካልእ ምሳሌ መሰለ።+ 12  ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።+ 13  ንዓሰርተ ኻብ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ’ ኢሉ ዓሰርተ ምና* ሃቦም።+ 14  ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ ‘እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም ደድሕሪኡ ልኡኻት ለኣኹ። 15  “ንግስና* ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ገንዘብ* ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ነጊዶም ከም ዝረብሑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ።+ 16  እቲ ቐዳማይ ከኣ ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ’ በለ።+ 17  ንሱ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ! ብንእሽቶ እሙን ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ።+ 18  እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ’ እናበለ መጸ።+ 19  ነዚ ኸኣ፡ ‘ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 20  ሓደ ኻልእ ግና ከምዚ እናበለ መጸ፦ ‘ጐይታይ፡ እዛ ኣብ ጨርቂ ሓቢአ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃትልካ። 21  ዘየንበርካዮ እትወስድ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ፈሪሀካ።’+ 22  ንሱ ድማ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከም ዘረባኻ እፈርደካ ኣለኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዝወስድ፡ ዘይዘራእክዎ ኸኣ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይዶ ትፈልጥ ኔርካ፧+ 23  ስለምንታይ ደኣ ገንዘበይ* ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ እውን መጺአ፡ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፧’ በሎ። 24  “ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ ‘እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም።+ 25  ንሳቶም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ንሱስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ’ በልዎ።— 26  ‘እብለኩም ኣለኹ፡ ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ።+ 27  ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደልዩ ጸላእተይ ከኣ፡ ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም።’” 28  እዚ ምስ በለ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ከደ። 29  ናብተን ደብረ ዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ዚርከባ ቤት-ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፡+ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣+ 30  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ናብኣ ምስ ኣቶኹም ከኣ፡ ብኡብኡ ሰብ ተወጢሕዎ ዘይፈልጥ ጻዕብ ተኣሲሩ ኽትረኽቡ ኢኹም፣ ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽእዎ። 31  ገለ ሰብ፡ ‘ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎ ኣሎ’ በሉ።” 32  እቶም እተላእኩ ኸኣ ከይዶም፡ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ።+ 33  ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ዋናታቱ፡ “ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም፧” በልዎም። 34  ንሳቶም ድማ፡ “ጐይታ ደልይዎ ኣሎ” በልዎም። 35  ናብ የሱስ ከኣ ኣምጽእዎ፣ ኣብቲ ጻዕብ ድማ ክዳውንቶም ጠይቂ ገበሩ እሞ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ።+ 36  ንሱ ኪኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ የንጽፉ ነበሩ።+ 37  ናብታ ኻብ ደብረ ዘይቲ ንቝልቁል እተውርድ መገዲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ግብርታት ሓይሊ ኺሕጐሱን ዓው ብዝበለ ድምጺ ንኣምላኽ ኪውድስዎን ጀመሩ፣ 38  “ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ! ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ድማ ኣብ ላዕሊ!” ድማ ይብሉ ነበሩ።+ 39  ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኦም ፈሪሳውያን ግና፡ “መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም” በልዎ።+ 40  ንሱ ኸኣ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኺጭድር እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 41  ምስ ቀረበ፡ ነታ ኸተማ ረኣያ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፦+ 42  “ኣየ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ካብ ኣዒንትኺ ተሰዊሩ ኣሎ።+ 43  ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ዓሪዶም ዚኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ዜጽብቡልኪ መዓልትታት ኪመጻ እየን።+ 44  እትምርመርሉ እዋን ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪድዕምኹኹም፡+ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸኣ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።”+ 45  ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡ ዝነበሩ ኺሰጕጎም ጀመረ፣+ 46  “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣+ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ” ድማ በሎም።+ 47  መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኣውራታት እቲ ህዝብን ድማ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ፣+ 48  ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ጠፍኦም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብሓሶት ከሲሰ ዝዘረፍክዎ።”
ምና ግሪኽ 340 ግ. ይምዘን ነይሩ፡ ማዕረ 100 ድራክማ ድማ እዩ ነይሩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “መንግስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሩር።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሩረይ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።