ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 18:1-43

ትሕዝቶ

  • ምሳሌ እታ ዘይትሕለል መበለት (1-8)

  • ፈሪሳውን ኣካብ ቀረጽን (9-14)

  • የሱስን ቈልዑን (15-17)

  • ሓደ ሃብታም ገዛኢ ዘቕረቦ ሕቶ (18-30)

  • የሱስ ከም ዚመውት መሊሱ ነገሮም (31-34)

  • ሓደ ዕዉር ለማኒ ኽርኢ ኽኣለ (35-43)

18  ኵሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦምን ኪሕለሉ ኸም ዘይብሎምን ድማ፡ ብምሳሌ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦+  “ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ፡ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር ሓደ ፈራዲ ነበረ።  ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ፡ ሓንቲ መበለት ነበረት፣ ናብኡ እናተመላለሰት ድማ፡ ‘ምስ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ’ ትብሎ ነበረት።  ንእተወሰነ ግዜ ኣበያ፣ ድሕሪኡ ግና ብልቡ፡ ‘ንኣምላኽ እኳ እንተ ዘይፈራህኩ፡ ንሰብ እውን እንተ ዘይሓፈርኩ፡  እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ተብለኒ ኣላ እሞ፡ እናመጸት ብልማኖኣ ኸይተሰልክየንስ፡* ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ’ በለ።”+  ጐይታ ኸኣ፡ “እዚ ፈራዲ እዚ ዓማጺ ኽነሱ፡ ዝበሎ ስምዑ።  ኣምላኽ ግዳ ዚዕገሶም እኳ ኽነሱ፡+ ነቶም መዓልትን ለይትን ናብኡ ዚጭርሑ ሕሩያቱ ፍትሒዶ ኣየውጽኣሎምን፧+  እብለኩም ኣለኹ፡ ቀልጢፉ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ወዲ ሰብ ምስ መጸ ግና፡ ነዛ እምነት እዚኣ* ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረኽባ እዩ፧” በለ።  ጻድቃን ከም ዝዀኑ ብርእሶም ንዚእመኑ፡ ንኻልኦት እውን ንዚንዕቁ ድማ፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ መሰለሎም፦ 10  “ክልተ ሰብኡት፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣካብ ቀረጽ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። 11  እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ከም ካልኦት ሰባት፡ ከም ዘረፍቲ፡ ከም ዓመጽቲ፡ ከም ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ኣካብ ቀረጽ እዚ እውን ስለ ዘይኰንኩ፡ አመስግነካ ኣለኹ። 12  ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ዘጥርዮ ኸኣ ዕሽር እህብ እየ።’+ 13  እቲ ኣካብ ቀረጽ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ንዓይ ንሓጥእ ራሕርሓለይ’* እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ኬልዕል እኳ ኣይደፈረን።+ 14  እብለኩም ኣለኹ፡ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪልዕል እዩ እሞ፡+ እዚ ሓለፋ እቲ ፈሪሳዊ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ወረደ።”+ 15  ምእንቲ ኺትንክዮም ድማ ሕጻናቶም የምጽኡሉ ነበሩ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ እዚ ርእዮም ገንሕዎም።+ 16  የሱስ ግና ነቶም ሕጻናት ጸዊዑ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም፡ ኣይትኸልክልዎም።+ 17  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይቅበላ ዘበለ፡ ከቶ ኣይኪኣትዋን እዩ” በለ።+ 18  ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ከኣ፡ “ኣታ ሕያዋይ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 19  የሱስ ድማ፡ “ስለምንታይ ሕያዋይ* እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ* የልቦን።+ 20  ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኢኻ፦ ‘ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ብሓሶት ኣይትመስክር፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’” በሎ።+ 21  ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ እሕልዎ ኣለኹ” በሎ። 22  የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ገና ሓንቲ ጐዲላትካ፦ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ዓድል፡ ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ 23  ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ።+ 24  የሱስ ድማ ጠሚትዎ፡ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉስ፡ ክንደይ ጭንቂ እዩ ዚዀኖም!+ 25  ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በለ።+ 26  እቶም ነዚ ዝሰምዑ ኸኣ፡ “መን ደኣ ኺድሕን ይኽእል፧” በሉ።+ 27  ንሱ ድማ፡ “እቲ ብሰባት ዘይከኣል፡ ብኣምላኽ ይከኣል እዩ” በለ።+ 28  ጴጥሮስ ከኣ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዘሎና ሓዲግና ስዒብናካ” በሎ።+ 29  ንሱ ኸኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ውሉዳት ዝሓደገ ዘበለ፡+ 30  ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት* ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።+ 31  ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ብነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ።+ 32  ንኣብነት፡ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡+ ኬላግጹሉ፡+ ኪገፍዕዎ፡ ጡፍ እውን ኪብሉሉ እዮም።+ 33  ምስ ገረፍዎ ኸኣ፡ ኪቐትልዎ እዮም፣+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኪትንስእ እዩ” በሎም።+ 34  ንሳቶም ግና ካብዚ ሓደ እኳ ኣይተረድኡን፣ እዚ ዘረባ እዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ፡ ነቲ እተባህለ ኣይፈልጥዎን ነበሩ። 35  የሱስ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረበ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።+ 36  ህዝቢ ኺሓልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ሓተተ። 37  “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ። 38  ንሱ ኸኣ፡ “የሱስ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” ኢሉ ጨርሐ። 39  እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ድማ፡ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፣ ንሱ ግና፡ “ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” እናበለ ኣዝዩ ጨርሐ። 40  የሱስ ከኣ ደው ኢሉ፡ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ 41  “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ክርኢ” በለ። 42  የሱስ ከኣ፡ “ርአ፣ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ።+ 43  ብቕጽበት ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ኸኣ ሰዓቦ።+ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን፡ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣጕሲጣ ኸይትውድኣንስ።”
ወይ፡ “ከምዚኣ ዓይነት እምነት።” ቃ.ቃ፡ “ነዛ እምነት።”
ወይ፡ “ምሓረኒ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።