ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 16:1-31

ትሕዝቶ

  • ምሳሌ እቲ ዓማጺ ኣመሓዳሪ ቤት (1-13)

    • “ብንእሽቶ እሙን ዝዀነ፡ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ” (10)

  • ሕግን መንግስቲ ኣምላኽን (14-18)

  • ምሳሌ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን (19-31)

16  ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣመሓዳሪ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፣ ገንዘቡ ይዘርወሉ ኸም ዘሎ ድማ ተነግሮ።  ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ቤተይ ከተመሓድር ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ጸብጻብ ኣመሓዳድራኻ ሃበኒ’ በሎ።  እቲ ኣመሓዳሪ ቤት ከኣ ብልቡ፡ ‘ጐይታይ ካብዛ ቤት ናይ ምምሕዳር ሓላፍነተይ ኬውርደኒ እዩ እሞ፡ እንታይ ክገብር እየ፧ ከይባሩ፡* ጕልበት የብለይን፣ ከይልምን ከኣ እሓፍር።  ካብ ሓላፍነተይ ምስ ወረድኩ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ እንታይ ከም ዝገብር ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ።  ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ‘ጐይታይ ክንደይ ይእውደካ፧’ በሎ።  ንሱ ኸኣ፡ ‘100 ባት* ዘይቲ ኣውልዕ’ ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ ‘ጽሑፍ ውዕልካ እንካ፡ ተቐመጥ እሞ፡ ቀልጢፍካ 50 ኢልካ ጽሓፍ’ በሎ።  ድሕሪኡ፡ ንሓደ ኻልእ፡ ‘ንስኻኸ ኽንደይ ትእወድ፧’ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘100 ቆሮስ* ስርናይ’ በሎ። ንሱ ድማ፡ ‘ጽሑፍ ውዕልካ እንካ፡ 80 ኢልካ ጽሓፍ’ በሎ።  እቲ ኣመሓዳሪ ቤት ዓማጺ እኳ እንተ ዀነ፡ ስለ እተጣበበ፡* ጐይታኡ ነኣዶ። ደቂ እዚ ስርዓት* እዝስ፡ ኣብ ወለዶኦም ካብ ደቂ ብርሃን+ ንላዕሊ ይጣበቡ እዮም።  “እብለኩም ኣለኹ፦ ምስ ተወድኣኩም፡ ኣብ ናይ ዘለኣለም መንበሪ ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ፡+ ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ።+ 10  ብንእሽቶ እሙን ዝዀነ፡ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ፣ እቲ ብንእሽቶ ዚዕምጽ ድማ፡ ብብዙሕ እውን ዓማጺ እዩ። 11  እምበኣር፡ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት እንተ ዘይኴንኩም፡ ነቲ ናይ ሓቂ ደኣ መን ብሕድሪ ኺህበኩም እዩ፧ 12  ብናይ እማትኩም እሙናት እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ናትኩም ደኣ መን ኪህበኩም እዩ፧+ 13  ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ጊልያ የልቦን፣ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”+ 14  እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ነዚ ዅሉ ይሰምዕዎ ነበሩ እሞ፡ ኣናሸውዎ።+ 15  ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ርእስኹም እተጽድቑ ኢኹም፡+ ኣምላኽ ግና ንልብኹም ይፈልጦ እዩ።+ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ልዑል ዝዀነስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽዩፍ እዩ።+ 16  “ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ እዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፣ ኵሎም ዓይነት ሰባት ድማ ይጋደሉላ ኣለዉ።+ 17  ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንጻጽ ከይተፈጸመት ካብ እትሓልፍ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል።+ 18  “ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዚምርዖ ዅሉ ይዝሙ፣ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ዚምርዖ ድማ ይዝሙ።+ 19  “ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳንን በፍታን ዚኽደን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20  ኣብ ኣፍ ደጊኡ ዜንብርዎ ብቝስሊ እተወርሰ ኣልኣዛር ዝስሙ ለማኒ እውን ነበረ። 21  ንሱ ድማ ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ፡ ከብዱ ኺመልእ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱሉ ነበሩ። 22  ሓደ ግዜ፡ እቲ ለማኒ ሞተ፡ ብመላእኽቲ ኸኣ ናብ ጐድኒ ኣብርሃም* ተወስደ። “እቲ ሃብታም ድማ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። 23  ኣብ መቓብር* እናተሳቐየ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ንኣብርሃም ብርሑቕ፡ ንኣልኣዛር እውን ኣብ ጐድኑ* ረኣዮ። 24  ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታ እዚ እሳቐ ኣለኹ እሞ፡ ምሓረኒ፡ ጫፍ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ ከኣ ንኣልኣዛር ስደደለይ’ በሎ። 25  ኣብርሃም ግና፡ ‘ወደይ፡ ንስኻስ ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ከም ዝረኸብካ፡ ኣልኣዛር ግና ሕማቕ ከም ዝረኸበ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ ኣሎ፡ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ። 26  ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሓልፉ ዚደልዩ ኸይክእሉ፡ ካብኡ እውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይሩ ኣሎ’ በሎ። 27  ንሱ ኸኣ፡ ‘እምበኣር፡ ኦ ኣቦይ፡ ንዕኡ ናብ ቤት ኣቦይ ክትልእኮ እልምነካ ኣለኹ፣ 28  ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶም እውን ናብዛ ቦታ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹስ፡ ኣጸቢቑ ይመስክረሎም’ በሎ። 29  ኣብርሃም ግና፡ ‘ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፣ ንዓታቶም ይስምዕዎም’ በሎ።+ 30  ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣይፋልን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸይድዎምሲ፡ ኪንስሑ እዮም’ በሎ። 31  ንሱ ግና፡ ‘ንሙሴን ንነብያትን እንተ ዘይሰሚዖምዎምሲ፡+ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንሲኡ እውን ኣይኪኣምኑን እዮም’ በሎ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከይጫዅር።”
ሓደ ባት፡ 22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ቆሮስ፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ዝጐርሐ፣ እተበላሓተ።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕቝፊ ኣብርሃም።”
ወይ፡ “ሃደስ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕቝፉ።”