ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 15:1-32

ትሕዝቶ

  • ምሳሌ እታ ዝጠፍአት በጊዕ (1-7)

  • ምሳሌ እታ ዝጠፍአት ሰልዲ (8-10)

  • ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ (11-32)

15  ኵሎም ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ።+  ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፡ “እዝስ ንሓጥኣን ይቕበል፡ ምሳታቶም እውን ይበልዕ” ኢሎም ኣዕዘምዘሙ።  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ እዛ ምሳሌ እዚኣ መሰለሎም፦  “ካባኻትኩምከ 100 ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን ምስ ጠፍኣቶስ፡ ነተን 99 ኣብ በረኻ ሓዲጉ፡ ክሳዕ ዚረኽባ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብ እዩ፧+  ምስ ረኸባ ኸኣ፡ ተሓጒሱ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ።  ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ንኣዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓባር ጸዊዑ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ በጊዐይ ስለ ዘረኸብኩዋ፡ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።+  ከምኡ ኸኣ፡ ንስሓ ኻብ ዘየድልዮም 99 ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዝያዳ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡+ እብለኩም ኣለኹ።  “ወይስ ዓሰርተ ድራክማ* ዘለዋ እሞ፡ ሓንቲ ድራክማ* እንተ ጠፊኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ፡ ቤታ እውን ዘይትዅስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ እንታወይቲ ሰበይቲ እያ፧  ምስ ረኸበታ ድማ፡ ንኣዳኖታታን ንጐረባብታን ጸዊዓ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ ድራክማይ* ስለ ዝረኸብክዋ፡ ምሳይ ተሓጐሳ’ ትብለን። 10  ከምኡ ኸኣ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።”+ 11  ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ፡ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12  እቲ ንእሽቶ ኸኣ ንኣቦኡ፡ ‘ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት፡ እቲ ዚብጽሓኒ ግደ ሃበኒ’ በሎ። ንሱ ድማ ገንዘቡ መቐሎም። 13  ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብዝርጋን* ዘረዎ። 14  ዘለዎ ዅሉ ምስ ወድአ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ፣ ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። 15  ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተጸግዐ፣ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ ኢሉ፡ ናብ መሬቱ ሰደዶ።+ 16  ካብቲ ሓሰማታት ዚበልዓኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፣ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። 17  “ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ‘ኣነ ኣብዚ ብጥሜት ክመውት ከለኹ፡ ክንደይ ዕሱባት ኣቦይ እንጌራ ይተርፎም ኣሎ! 18  ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ “ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ። 19  ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ። ከም ሓደ ኻብ ዕሱባትካ ግበረኒ” ኽብሎ’ በለ። 20  ተንሲኡ ኸኣ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ፡ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፣ ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ* ሰዓሞ። 21  እቲ ወዲ ድማ፡ ‘ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ።+ ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ’ በሎ። 22  ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ‘ቀልጥፉ! ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፣ ቀለቤት ኣብ ኢዱ፡ ኣሳእን እውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23  ስቡሕ ምራኽ ኣምጺእኩም ከኣ ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሓጐስ፣ 24  እዚ ወደይሲ ሞይቱ ነይሩ፡ ከም ብሓድሽ ህያው ኰይኑ፣+ ጠፊኡ ነይሩ እውን፡ ተረኺቡ እዩ’ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። 25  “እቲ ዓብዪ ወዱ ኸኣ ናብ ግራት ወፊሩ ነበረ፣ ተመሊሱ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ ድማ፡ ሙዚቃን ጓይላን ሰምዐ። 26  ንሓደ ኻብቶም ገላዉ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ሓተቶ። 27  ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓውካ መጺኡ፡ ኣቦኻ ድማ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስቡሕ ምራኽ ሓሪዱሉ’ በሎ። 28  ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታው እውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29  ንሱ ድማ ንኣቦኡ፡ ‘እንሆ፡ ክንድዚ ዚኣክል ዓመታት ተገዚአካ፡ ካብ ትእዛዝካ እውን ከቶ ኣይሓለፍኩን፣ ግናኸ፡ ንዓይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30  እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምጽእ ምስ በለ ግና፡ ስቡሕ ምራኽ ሓሪድካሉ’ ኢሉ መለሰሉ። 31  ንሱ ኸኣ፡ ‘ወደየ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣለኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32  እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፡ ህያው ኰይኑ፣ ጠፊኡ ነይሩ እውን፡ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ’ በሎ።”

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣባኺኑ፣ ብሸለልትነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ክሳዱ ወዲቑ።”