ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሉቃስ 1:1-80

ትሕዝቶ

  • ናብ ቴዎፍሎስ እተጻሕፈ (1-4)

  • ገብርኤል ብዛዕባ ልደት ዮሃንስ መጥምቕ ተነበየ (5-25)

  • ገብርኤል ብዛዕባ ልደት የሱስ ተነበየ (26-38)

  • ማርያም ንኤልሳቤጥ በጽሓታ (39-45)

  • ማርያም ንየሆዋ ወደሰቶ (46-56)

  • ልደት ዮሃንስን ብኸመይ ከም እተሰምየን (57-66)

  • ዘካርያስ እተነበዮ ትንቢት (67-80)

1  ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ኣባና ምሉእ ብምሉእ እተኣምነ ነገራት ዛንታ ኺጽሕፉ ኻብ ጀመሩ፡+  እቶም ካብ መጀመርታ ብኣዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ መልእኽቲ ዝነበሩን+ ከም ዘመሓላለፉልና፡+  ኣነ እውን፡ ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ንዅሉ ኻብ ፈለማ ብልክዕ ስለ ዝመርመርክዎ፡ በብተራ ኽጽሕፈልካ ሓሲበ።+  እቲ ብኣፍ እተመሃርካዮ ርግጽ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ኸምኡ ገይረ።+  ብዘመን ሄሮድስ*+ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ፡ ዘካርያስ ዚብሃል ካህን ነበረ።+ ሰበይቱ ድማ ካብ ኣዋልድ ኣሮን ኰይና፡ ኤልሳቤጥ ዝስማ ነበረት።  ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ፣ ብዅሉ ትእዛዛትን ሕግታትን የሆዋ* እውን ይመላለሱ ነበሩ።  ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ግና፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፣ ክልቲኦም ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ ነበሩ።  ተራ ኽፍሉ በጺሑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካህን ኰይኑ ኼገልግል ከሎ፡+  ከም ልምዲ ኽህነት፡ ናብ መቕደስ የሆዋ* ኣትዩ ዕጣን ኪዓጥን+ ግደ በጽሖ።+ 10  በታ ዕጣን ዚዕጠነላ ሰዓት፡ ኵሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። 11  መልኣኽ የሆዋ* ድማ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ደው ኢሉ ተራእዮ። 12  ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ተረበሸ፡ ብፍርሂ እውን ተዋሕጠ። 13  እቲ መልኣኽ ግና ከምዚ በሎ፦ “ዘካርያስ፡ ምህለላኻ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፣ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ከኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ እውን ዮሃንስ ክትብሎ ኢኻ።+ 14  ሓጐስን ዓብዪ ደስታን ኪዀነልካ እዩ፣ ብዙሓት ከኣ ብልደቱ ኺሕጐሱ እዮም፣+ 15  ንሱስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ ወይኒ ዀነ ኣልኮላዊ መስተ ግና ኪሰቲ የብሉን፣+ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ እኳ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ኪምላእ እዩ፣+ 16  ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤል እውን፡ ናብ የሆዋ* ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ።+ 17  ንየሆዋ* ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኼዳልወሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉዳት፡+ ንዘይእዙዛት ከኣ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ ኢሉ፡ ብመንፈስን ብሓይልን ኤልያስ፡+ ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።”+ 18  ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ “ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ እውን ብዕድመ ደፊኣ እያ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ኢለ ርግጸኛ ክኸውን እኽእል፧” በሎ። 19  እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም+ ገብርኤል እየ፣+ ክዛረበካን ብዛዕባ እዚ ኸበስረካን ድማ እየ ናባኻ ተላኢኸ። 20  እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዚፍጸም ቃለይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ዚዀነላ መዓልቲ፡ ዓባስ ክትከውን፡ ምዝራብ እውን ክትስእን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 21  እቶም ህዝቢ ድማ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፣ ኣብ መቕደስ ብምድንጓዩ እውን ገረሞም። 22  ምስ ወጸ ኸኣ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ተገንዘቡ። ንሱ ድማ ብምልክት ገለጸሎም፡ ዓባስ ኰይኑ እውን ይነብር ነበረ። 23  መዓልትታት ቅዱስ ኣገልግሎቱ* ምስ ተፈጸማ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። 24  ድሕሪ ገለ መዓልትታት ከኣ፡ ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት፣ ከምዚ እናበለት ከኣ ንሓሙሽተ ወርሒ ተሓብአት፦ 25  “የሆዋ* በዘን መዓልትታት እዚአን ከምዚ ገይሩለይ። ካብ መንጎ ሰባት ሕስራነይ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ቈላሕታኡ ገይሩለይ።”+ 26  ኣብ ሻድሻይ ወርሓ፡ ገብርኤል መልኣኽ+ ካብ ኣምላኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ከተማ ገሊላ ተላእከ፣ 27  ናብታ ኻብ ቤት ዳዊት፡ ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል+ ድማ እዩ እተላእከ፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ነበረ።+ 28  እቲ መልኣኽ ኣትዩ፡ “ሰላም፡ ኣቲ ብዙሕ ሞገስ ዝረኸበት፡ የሆዋ* ምሳኺ እዩ” በላ። 29  ንሳ ግና በቲ ዘረባኡ ብዙሕ ተረበሸት፡ እንታይ ዓይነት ሰላምታ ምዃኑ ድማ ክትርድኦ ፈተነት። 30  እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፣ 31  እንሆ ድማ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣+ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ።+ 32  ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡+ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣+ የሆዋ* ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣+ 33  ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” በላ።+ 34  ማርያም ግና ነቲ መልኣኽ፡ “ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገብር ክነሰይሲ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧” በለቶ።+ 35  እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡+ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡+ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።+ 36  እንሆ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ዘመድኪ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፣ ነታ መኻን እትብሃል ከኣ፡ እዚ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፣ 37  ንኣምላኽሲ ዝበሎ ዘበለ ምፍጻሙ ኣይሰኣኖን እዩ”* ኢሉ መለሰላ።+ 38  ማርያም ከኣ፡ “እነኹ ባርያ የሆዋ፡* ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ኸደ። 39  በተን መዓልትታት እቲአን ከኣ፡ ማርያም ተንሲኣ፡ ተቐላጢፋ ናብ ከበሳ፡ ናብ ሓንቲ ኸተማ ይሁዳ ኸደት፣ 40  ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41  ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት ድማ፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ፣ ኤልሳቤጥ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡ 42  ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺ እውን ብሩኽ እዩ! 43  ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጽስ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ዀይኑለይ፧ 44  እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ኣብ ኣእዛነይ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ከርሰይ ዘሎ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሲሩ። 45  እቲ ኻብ የሆዋ* እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ሕጕስቲ እያ” በለት። 46  ማርያም ድማ ከምዚ በለት፦ “ነፍሰይ* ንየሆዋ* ተዕብዮ፡+ 47  መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይበሎ፣+ 48  ከመይሲ፡ ባርያኡ ለጠቕ ዝበለት ምዃና ርእዩ እዩ።+ እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶታት ሕጕስቲ ኺብሉኒ እዮም፣+ 49  ምኽንያቱ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ግብሪ ገይሩለይ እዩ፡ ስሙ እውን ቅዱስ እዩ፣+ 50  ምሕረቱ ኸኣ ኣብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ 51  ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ፡ ነቶም ብሓሳብ ልቦም ዕቡያት ዝዀኑ ድማ ፋሕ ኣቢልዎም።+ 52  ንሰበ ስልጣን ካብ ዝፋናት ኣውሪድዎም፡+ ንትሑታት ከኣ ልዕል ኣቢልዎም፣+ 53   ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽጊብዎም፡+ ንሃብታማት እውን ጥራይ ኢዶም ሰዲድዎም። 54  ምሕረቱ ንዘለኣለም ዘኪሩስ ንእስራኤል ጊልያኡ ረዲእዎ፣+ 55  ከምቲ ንኣቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም+ ድማ ገይሩ።” 56  ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ጸኒሓ፡ ናብ ቤታ ተመልሰት። 57   ኤልሳቤጥ እትወልደሉ እዋን በጽሐ፣ ወዲ እውን ወለደት። 58  ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ የሆዋ* ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሓጐሱ።+ 59  ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፣+ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ኢሎም ኪሰምይዎ ደለዩ። 60  ኣዲኡ ግና፡ “ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ ደኣ እዩ ዚስመ” ኢላ መለሰት። 61  ንሳቶም ከኣ፡ “ካብ ኣዝማድኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን” በልዋ። 62  ንኣቦኡ ድማ፡ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ ብምልክት ሓተትዎ። 63  ንሱ ሰሌዳ ለሚኑ፡ “ስሙ ዮሃንስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።+ ኵላቶም ከኣ ተገረሙ። 64  ብቕጽበት ኣፉ ተኸፍተ፡ ልሳኑ እውን ተፈትሐ፡ ንኣምላኽ እናወደሶ ኸኣ ተዛረበ።+ 65  ኵሎም እቶም ጐረባብቶም ከኣ ፈርሁ፣ እዚ ዅሉ ድማ ኣብ ብዘሎ ኸበሳ ይሁዳ ተወርየ። 66  ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ “እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧” ኢሎም ኣብ ልቦም ሓዝዎ። ኢድ የሆዋስ* ምስኡ ነበረት። 67  ንኣቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ ተነበየ፦ 68  “የሆዋ* ኣምላኽ እስራኤል፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ስለ ዝገበረን ስለ ዘድሓኖምን+ ይወደስ።+ 69  ኣብ ቤት ዳዊት እቲ ጊልያኡ፡+ ቀርኒ ድሕነት* ኣተንሲኡልና ኣሎ፣+ 70  ከምቲ ብኣፍ እቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ቕዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡+ 71  ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና እዩ፣+ 72  ምእንቲ ኣቦታትና ኢሉ ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ድማ ኪዝክሮ፡+ 73  ማለት ነቲ ንኣቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ ኺዝክሮ እዩ፣+ 74  ካብ ኣእዳው ጸላእትና ምስ ተናገፍና፡ ከይፈራህና ኸነገልግሎ* ኺፈቕደልና እዩ፣ 75  ኵለን መዓልትታትና ኣብ ቅድሚኡ ብተኣማንነትን ብጽድቅን ክንነብር ኢና። 76  ንስኻ ግና ኣታ ሕጻን፡ መገድታቱ ኸተዳሉ ቐቅድሚ የሆዋ* ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ እቲ ልዑል ክትብሃል ኢኻ፣+ 77  ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም፡ ፍልጠት ድሕነት ክትህቦም ኢኻ፣+ 78  እዚ ድማ ሳላ ርሕራሐ ኣምላኽና እዩ ዚርከብ። በዚ ኸኣ፡ ካብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ፣ 79  እዚ እውን፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ምእንቲ ኼብርህ፡+ ንኣእጋርና ድማ ናብ መገዲ ሰላም ምእንቲ ኬቕንዕ እዩ።” 80  እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ከኣ በርትዐ፣ ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲ እውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎቱ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንኣምላኽሲ ዚስኣኖ ነገር የልቦን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኵለንትናይ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሓያል መድሓኒ።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ቀርኒ” ርአ።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።