ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሆሴእ 6:1-11

ትሕዝቶ

  • ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዝቐረበ ጻውዒት (1-3)

  • ብተኣማንነት ዜርእይዎ ፍቕሪ ሓላፊ ዀነ (4-6)

    • ካብ መስዋእቲ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ይሓይሽ (6)

  • ዜሕፍር ተግባር እቲ ህዝቢ (7-11)

6  “ንሱ ሰላሊዑና፡+ ግናኸ ኼሕውየና እዩ፡ ንሱ ወቒዑና፡ ግናኸ ንኣቝሳልና ኺዝንን እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናብ የሆዋ ንመለስ።   ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬተንስኣና እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክንነብር ኢና።   ንየሆዋ ኽንፈልጦ፡ ንምፍላጡ ተሃንጢና ኽንደልዮ ኢና። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ከም ዝናም፡ ከምቲ ንምድሪ ዜርዊ ዝናም ጽብሓት ኪመጸና እዩ።”   “ኣታ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ኣታ ይሁዳ፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ብተኣማንነት እተርእይዎ ፍቕርኹምሲ ኸም ደበናታት ንግሆ፡ ከምቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ።   ስለዚ፡ ብነብያት ክቘርጾም፡+ ብቓላት ኣፈይ እውን ክቐትሎም እየ።+ ፍርድታትካ ድማ ከም ብርሃን ኪበርህ እዩ።+   ከመይሲ፡ ብመስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ፡* ብምሉኡ ብዚሓርር መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እዩ ደስ ዚብለኒ።+   ንሳቶም ግና፡ ከም ሰብ፡ ኪዳን ጥሒሶም እዮም።+ ኣብኡ ጠሊሞምኒ እዮም።   ጊልዓድ ብኣሰራት ደም እተኸድነት+ ከተማ ገበርቲ እከይ እያ።+   እቶም ጕጅለ ኻህናት ከም ዘመትቲ ጭፍራታት ንሰብ የድብዩሉ። ተግባሮም ዜሕፍር እዩ እሞ፡ ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ።+ 10  ኣብ ቤት እስራኤል ዜሰክሕ ነገር ርእየ ኣለኹ። ኣብኡ ኤፍሬም ይምንዝር፣+ እስራኤል ከኣ ረኺሱ ኣሎ።+ 11  ንምሩኻት ህዝበይ ምስ መለስክዎም፡ ኣታ ይሁዳ፡ ንዓኻ እውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብምሕረት።”