ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሆሴእ 12:1-14

ትሕዝቶ

  • ኤፍሬም ናብ የሆዋ ይመለስ (1-14)

    • ያእቆብ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ (3)

    • ያእቆብ፡ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ በኸየ (4)

12  “ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ ኣሎ። ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ይጐዪ ኣሎ። ሓሶትን ዓመጻን የብዝሕ ኣሎ። ምስ ኣሶር ኪዳን ይኣትዉ፡+ ናብ ግብጺ እውን ዘይቲ ይወስዱ ኣለዉ።+   የሆዋ ምስ ይሁዳ ጕዳይ ኣለዎ፣+ ንያእቆብ ከምቲ መገድታቱ ተሓታቲ ኺገብሮ፡ ከም ግብርታቱ ድማ ኪፈድዮ እዩ።+   ኣብ ማሕጸን ንሓዉ ብሸዀናኡ ሒዝዎ፣+ ብሓይሉ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተቓሊሱ።+   ምስ መልኣኽ ተቓሊሱ ኣሕሚቑ። በኽዩ ድማ ሞገሱ ለሚኑ።”+ ንሱ ኣብ ቤት-ኤል ረኺብዎ፡ ኣብኡ እውን ተዛሪቡና፣+   ንሱ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡+ ስም መዘከርታኡ* ኸኣ የሆዋ እዩ።+   “ስለዚ፡ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፣+ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍትሕን ሓሉ፣+ ወትሩ ድማ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።   ኣብ ኢድ ነጋዳይ ግና መታለሊ ሚዛን ኣሎ፣ ንሱ ምዕማጽ ይፈቱ እዩ።+   ኤፍሬም፡ ‘ብርግጽ ሃብቲመ፣+ ሃብቲ ረኺበ።+ ኣብ ኵሉ ጻዕረይ፡ ጌጋ ዀነ ሓጢኣት ኣይኪረኽቡለይን እዮም’ ይብል ኣሎ።   ኣነ ግና ካብ ምድሪ ግብጺ ኣትሒዘ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ ከምቲ ብመዓልትታት ምዱብ ግዜ፡* ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ከንብረካ እየ። 10  ንነብያት ተዛሪበ፣+ ራእያቶም ኣብዚሐ፣ ብነብያት ገይረ እውን ምሳሌታት ተዛሪበ። 11  ምስ ጊልዓድ ምትላልን* ሓሶትን ኣሎ።+ ኣብ ጊልጋል ኣብዑር ሰዊኦም እዮም።+ መሰውኢታቶም ከኣ ኣብ ነግሕታት ግራት ከም እተዀመረ ኣእማን እዩ።+ 12  ያእቆብ ናብ ሃገር* ኣራም* ሃዲሙ፣+ እስራኤል+ ምእንቲ ሰበይቲ ኣብኡ ተገዚኡ፣+ ምእንቲ ሰበይቲ እውን ኣባጊዕ ሓልዩ።+ 13  የሆዋ ንእስራኤል ብነብዪ ኻብ ግብጺ ኣደይብዎ፣+ ብነብዪ ድማ ተሓልዩ።+ 14  ኤፍሬም ኣምሪሩ ኸም ዚዅሪ ገይርዎ፣+ ዕዳ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፣ ጐይታኡ ኸምቲ ጸርፉ ኺፈድዮ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዚዝከረሉ ስም።”
ወይ፡ “በዓል” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ስሒርን፣ ምስጢራዊ ነገርን።”
ቃ.ቃ.፡ “መሮር።”
ወይ፡ “ሶርያ።”