ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሆሴእ 11:1-12

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ንእስራኤል ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኣፍቀሮ (1-12)

    • “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ” (1)

11  “ንእስራኤል ቈልዓ ኸሎ፡ ኣፍቂረዮ፣+ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ።+   ንሳቶም* ብዝያዳ ብዝጸውዕዎም መጠን፡ ካባታቶም ብዝያዳ ርሒቖም።+ ንምስልታት በዓል ሰዊኦም፣+ ንቕሩጽ ምስልታት ከኣ መስዋእቲ ኣቕሪቦም።+   ግናኸ፡ ንኤፍሬም ዘታተኽዎ ኣነ እየ፣+ ብቕልጽመይ እውን ሓቚፈዮም፣+ ከም ዘሕወኽዎም ድማ ኣይፈለጡን።   ብኣግማድ ሰብ፡* ብድባራታት ፍቕሪ ስሒበዮም፣+ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰይነዮም፣ ብልእመት እውን ንነፍሲ ወከፍ ብልዒ ኣቕሪበ።   ናብ ምድሪ ግብጺ ኣይኪምለሱን እዮም፣ ናባይ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ግና፡+ ኣሶር ንጉሶም ኪኸውን እዩ።+   ሰይፊ ኣንጻር ከተማታቱ ኽትወናጨፍ፡+ ንተገዳማቱ ኸተጥፍእ፡ ብሰንኪ ተንኰሎም ከኣ ክትውሕጦም እያ።+   ህዝበይ ኪጠልሙኒ ኣንቂዶም እዮም።+ ናብ ላዕሊ* እኳ እንተ ጸውዕዎም፡ ሓደ እኳ ዚትንስእ የልቦን።   ኣታ ኤፍሬም፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝሓድገካ፧+ ኣታ እስራኤል፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኣሕሊፈ ዝህበካ፧ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኸም ኣድማ ዝገብረካ፧ ከመይ ገይረኸ እየ ኸም ጸቦኢም ዝገብረካ፧+ ልበይ ተለዊጡ እዩ፣ ርሕራሐይ እውን ተለዓዒሉ* እዩ።+   ዚነድድ ቍጥዓይ ኣይከውጽኦን እየ። ንኤፍሬም ደጊም ኣይከጥፍኦን እየ፣+ ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ድማ ኣይኰንኩን፣ ኣብ ማእከልካ ኸኣ እቲ ቕዱስ እየ፣ ብነድሪ እውን ኣይክመጸካን እየ። 10  ንሳቶም ደድሕሪ የሆዋ ኪኸዱ እዮም፣ ንሱ እውን ከም ኣንበሳ ኺጓዝም እዩ፣+ ምስ ጓዘመ፡ ደቁ ራዕራዕ እናበሉ ኻብ ምዕራብ ኪመጹ እዮም።+ 11  ካብ ግብጺ ኺመጹ ኸለዉ፡ ከም ዑፍ፡ ካብ ምድሪ ኣሶር ከም ዝወጸት ርግቢ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+ ኣብ ኣባይቶም ድማ ከስፍሮም እየ” ይብል የሆዋ።+ 12  “ኤፍሬም ብሓሶት፡ ቤት እስራኤል ከኣ ብምትላል ከቢቦምኒ ኣለዉ።+ ይሁዳ ግና ገና ምስ ኣምላኽ ይመላለስ ኣሎ፣ ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ድማ እሙን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ንእስራኤል ንምምሃር እተላእኩ ነብያትን ካልኦትን።
ወይ፡ “ኣግማድ ለውሃት፡” ከም ናይ ወላዲ ዝበለ።
ማለት፡ ናብ ዝለዓለ ዓይነት ኣምልኾ።
ቃ.ቃ.፡ “ረሲኑ።”