ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 9:1-11

ትሕዝቶ

  • ሽዱሽተ ፈጸምቲ ፍርድን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን (1-11)

    • ፍርዲ ኻብ መቕደስ ይጅምር (6)

9  ኣብ ኣእዛነይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ነቶም ነዛ ኸተማ ዚቐጽዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጥፍእ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኺመጽእ፡ ጸውዓዮም!” ኢሉ ጨደረ።  ሽዱሽተ ሰብኡት፡ ነፍሲ ወከፍ ዚሕምሽሽ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ ኣንፈት እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ+ ኺመጹ ረኣኹ፣ በፍታ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም* እውን ኣብ ማዕጥቖኡ ዘለዎ ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣብ መንጎኦም ነበረ፣ ኣትዮም ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።+  ሽዑ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል+ ካብቲ ዝዓረፎ፡ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተላዒሉ ናብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ቤት ከደ፣+ ንሱ ኸኣ ነቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ጸውዖ።  የሆዋ ኸኣ፡ “በታ ኸተማ ሕለፍ፡ ብየሩሳሌም ሕለፍ፣ ኣብ ግምባር እቶም በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት+ እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን+ ሰባት ምልክት ግበር” በሎ።  ነቶም ካልኦት ድማ እናሰማዕኩ ኸምዚ በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ። ዓይንኹም ኣይትደንግጽ፣ ኣይትራሕርሑ እውን።+  ኣረጊትን ጐበዝን ድንግልን ቈልዓን ጠሪስኩም ቅተሉ።+ ምልክት ናብ ዘለዎ ሰብ ግና ኣይትቕረቡ።+ ካብ መቕደሰይ ጀምሩ።”+ ስለዚ፡ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበሩ ዓበይቲ ጀመሩ።+  ንሱ ኸኣ፡ “ነታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጸዳት እውን ብቕቱላት ምልእዎ።+ ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ከኣ ኣብታ ኸተማ ንሰባት ወቕዑ።  ኪወቕዕዎም ከለዉ ድማ፡ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፣ ብገጸይ ወዲቐ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ክትክዑ ኸለኻስ፡ ንዅሎም እቶም ተረፍ እስራኤልዶ ኸተጥፍኦም ኢኻ፧” ኢለ ጨራሕኩ።+  ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስሕተት ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+ እታ ምድሪ ብምፍሳስ ደም መሊኣ ኣላ፣+ እታ ኸተማ ኸኣ ብብልሽውና መሊኣ ኣላ።+ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ፣ የሆዋ ኣይርእን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።+ 10  ኣነ ግና፡ ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።” 11  ሽዑ፡ እቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ እውን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ” ኢሉ ቓል ሒዙ ተመልሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መትሓዝ ቀለም።”