ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 7:1-27

ትሕዝቶ

  • መወዳእታ መጸ (1-27)

    • ፍሉይ መዓት (5)

    • ገንዘብ ኣብ ጐደናታት ኪድርበ እዩ (19)

    • እታ ቤተ መቕደስ ክትረክስ እያ (22)

7  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንምድሪ እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ ‘መወዳእታ፡ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ምድሪ መወዳእታ መጺኡ።  ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ፣ ኣነ ኸኣ ቍጥዓይ ክፍንወልኪ እየ፣ ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ።  ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገድታትክስ ከምጽኣልኪ፡ ብሳዕቤናት እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ እውን ክትሳቐዪ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’+  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ መዓት፡ ፍሉይ መዓት ይመጽእ ኣሎ።+  መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ፣ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ፣ ኣንጻርኪ ኺልዓል* እዩ። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።  ኣታ ኣብዛ ምድሪ እትነብር፡ ተራኻ* መጺኡ። እቲ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፣ እታ መዓልቲ ቐሪባ እያ።+ ኣብ ኣኽራን እልልታ ዘይኰነስ፡ ዕግርግር ኣሎ።  “‘ኣብ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ፡ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡+ ቍጥዓይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክፍንወልኪ እየ፣+ ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ።  ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገድታትኪ ኸምጽኣልኪ፡ ብሳዕቤናት እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ እውን ክትሳቐዪ ኢኺ። ኣነ የሆዋ እወቕዓኩም ከም ዘለኹ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 10  “‘እንሃ፡ እታ መዓልቲ! እንሃ፡ ትመጽእ ኣላ!+ ተራኺ* መጺኡ፣ በትሪ ዓምቢባ፡ ድፍረት ከኣ በቚሉ ኣሎ። 11  ዓመጻ ዓብዩስ በትሪ እከይ ኰይኑ ኣሎ።+ ንሳቶም ኰኑ፡ ሃብቶም ኰነ፡ ህዝቦም ኰነ፡ ወይ ዝናኦም ኣይኪተርፍን እዩ። 12  እቲ ግዜ ኺመጽእ እዩ፣ እታ መዓልቲ ኽትኣክል እያ። ኣብ ብዘሎ እቲ ህዝቦም ቍጥዓ ኣሎ እሞ፡ ዓዳጊ ኣይተሓጐስ፡ ሸያጢ እውን ኣይሕዘን።*+ 13  ከመይሲ፡ እቲ ራእይ ኣንጻር ብዘሎ እቲ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ሸያጢ ህይወቱ እኳ እንተ ተናሕፈት፡ ናብቲ እተሸጠ ኣይኪምለስን እዩ። ሓደ እኳ ኣይኪምለስን እዩ፣ ብሰንኪ ስሕተቱ* ድማ፡ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይኪተርፍን እዩ። 14  “‘መለኸት ነፊሖም እዮም፣+ ኵሉ እውን ተዳልዩ ኣሎ፣ ቍጥዓይ ኣብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ስለ ዝዀነ ግና፡ ሓደ እኳ ናብ ውግእ ዚኸይድ የልቦን።+ 15  ኣብ ወጻኢ ሰይፊ፡+ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ለበዳን ጥሜትን ኣሎ። ኣብ መሮር ዘሎ ዘበለ ብሰይፊ ኺመውት እዩ፣ ነቶም ኣብ ከተማ ዘለዉ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪውሕጦም እዩ።+ 16  እቶም ካባታቶም ዜምልጡ ተረፎም ናብ ኣኽራን ኪኸዱ፡ ከም ረገቢት ስንጭሮታት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ብስሕተቶም ኪቝዝሙ እዮም።+ 17  ኵለን ኣእዳዎም ኪለምሳ፡ ኵለን ኣብራኾም ድማ ማይ ኪፈስሰን እዩ።*+ 18  ማቕ ተኸዲኖም ኣለዉ፣+ ምንቅጥቃጥ ከኣ ሒዝዎም* ኣሎ። ኵሉ ኺሓፍር፡ ኵሉ ርእሲ እውን ኪምለጥ እዩ።*+ 19  “‘ብሩሮም ኣብ ጐደናታት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ንዓታቶም ፍንፉን ኪኸውን እዩ። ብመዓልቲ ነድሪ የሆዋ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ።+ ዜስሕት መዐንቀፊ ዀይንዎም እዩ እሞ፡* ኣይኪጸግቡን፡* ከብዶም እውን ኣይኪመልኡን እዮም። 20  ብጽባቐ ስልማታቶም ተመኪሖም፡ ብእኡ* ኸኣ ፍንፉናት ምስልታትን ጽዩፋት ጣኦታትን ገይሮም እዮም።+ ስለዚ እየ ንዓታቶም ፍንፉን ከም ዚኸውን ዝገበርክዎ። 21  ንዘመተ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ንምርኮ ድማ ኣብ ኢድ እኩያት ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፣* ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም። 22  “‘ገጸይ ካባታቶም ክመልስ እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ስቱር ቦታይ* ኬርክስዎ እዮም፣ ጐሓሉት ናብኡ ኺኣትዉን ኬርክስዎን እዮም።+ 23  “‘እዛ ምድሪ ብደም ብእተጸየቐ ፍርዲ መሊኣ፡+ እዛ ኸተማ ኸኣ ብዓመጻ መሊኣ ኣላ እሞ፡+ ሰንሰለት* ግበር።+ 24  ካብ ኣህዛብ እቶም ዝኸፍኡ ኸምጽእ፡+ ንኣባይቶም ድማ ኪርስተይወን እዮም፣+ ንትምክሕቲ እቶም ሓያላት መወዳእታ ኽገብር፡ መቓድሶም ከኣ ኪረክስ እዩ።+ 25  ጭንቆም ምስ መጸ፡ ሰላም ኪደልዩ እዮም፡ ግናኸ ኣይኪህሉን እዩ።+ 26  ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት፡ ወረ ኣብ ልዕሊ ወረ ኺመጽእ እዩ፣ ካብ ነብዪ ድማ ራእይ ኪደልዩ፡+ ግናኸ ሕጊ* ኻብ ካህን፡ ምኽሪ እውን ካብ ዓበይቲ ኺጠፍእ እዩ።+ 27  ንጉስ ኪሓዝን፡+ ሹም ከኣ ቅብጸት* ኪኽደን እዩ፣ ኣእዳው ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ብሽበራ ራዕራዕ ኪብላ እየን። ከም መገድታቶም ክገብሮም፡ ከምቲ ዝፈረድዎ እውን ክፈርዶም እየ። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኼንቅሕ።”
ወይ፡ “ኣኽሊል ዕምባባ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣኽሊል ዕምባባ” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስለ ዚመጽእ፡ ንብረት ዚዕድግ ኰነ ንዕኡ ዚሸይጥ ኣይጥቀሙን።
ወይ፡ “ብስሕተቶም” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ብፍርሂ ስለ ዚሸኑ።
ቃ.ቃ.፡ “ከዲንዎም።”
ማለት፡ ርእሶም ብሓዘን ኪላጸ እዩ።
ማለት፡ እቲ ብሩሮምን ወርቆምን።
ወይ፡ “ነፍሶም ኣይክትጸግብን።”
ማለት፡ በቲ ወርቆምን ብሩሮምን።
ማለት፡ ነቲ ጣኦታት እተገብረሉ ብሩሮምን ወርቆምን።
ንውሽጣዊ ኽፋል መቕደስ የሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ማለት፡ ሰንሰለት ምርኮ።
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ምብዳም።”