ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 5:1-17

ትሕዝቶ

  • ውድቀት የሩሳሌም ተገልጸ (1-17)

    • እቲ እተላጸየ ጭሕሚ እቲ ነብዪ ኣብ ሰለስተ ተመቕለ (1-4)

    • የሩሳሌም ካብ ኣህዛብ ገደደት (7-9)

    • ዓለወኛታት ብሰለስተ መገዲ ተቐጽዑ (12)

5  “ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም መላጸ ላጻዪ ኽትጥቀመሉ በሊሕ ሰይፊ ንዓኻ ውሰድ። ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸ፣ ነቲ ጸጕሪ ኽትመዝኖን ክትመቕሎን ከኣ ሚዛን ውሰድ።  መዓልትታት ከበባ ምስ ተፈጸማ፡ ሲሶኡ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ኣንድዶ።+ ሲሶኡ ወሲድካ ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ* ብሰይፊ ውቕዓዮ፣+ ሲሶኡ ኸኣ ንንፋስ ፋሕ ኣብሎ፣ ኣነ እውን ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ ኽመልሕ እየ።+  “ካብኡ ሒደት ዝቝጽሩ ውሰድ እሞ ብዕጻፍ* ክዳንካ ጠቕልሎ።  ገለ ኻብኡ ወሲድካ ድማ ናብ ሓዊ ደርብዮን ኣንድዶን። ካብዚ ኸኣ ሓዊ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ኪዝርጋሕ እዩ።+  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚኣ የሩሳሌም እያ። ሃገራት ኣብ ዙርያኣ ገይረ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣንበርክዋ።  ንሳ ግና ካብ ኣህዛብን ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዘለዋ ሃገራትን ዝገደደ እከይ ብምግባር፡ ካብ ፍርድታተይን ሕግታተይን ዓለወት።+ ንሳቶምሲ ፍርድታተይ ነጺጎም እዮም፣ ብሕግታተይ እውን ኣይመላለሱን እዮም።’  “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ዝገደደ መሸገርቲ ብምዃንኩምን ብሕግታተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርድታተይ ስለ ዘይፈጸምኩምን፡ የግዳስ ፍርድታት እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ብምስዓብኩም፡+  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ኸተማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርኪ እየ፣+ ኣብ ማእከልኪ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ድማ ኣነ ባዕለይ ፍርዲ ኽፍጽም እየ።+  ብሰሪ ዅሉ ፍንፉን ተግባራትኪ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ዘይፈልጥ፡ ደጊም እውን ዘይገብሮ ነገር ኣባኺ ኽገብር እየ።”+ 10  “‘“ስለዚ፡ ኣብ መንጎኺ ዘለዉ ኣቦታት ንደቆም ኪበልዑ፡+ ደቂ እውን ንኣቦታቶም ኪበልዑ እዮም፣ ኣብ መንጎኺ ፍርዲ ኽፍጽም፡ ካባኺ ዝተረፉ ዅሎም እውን ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ።”’+ 11  “‘ስለዚ፡ ብዅሎም ጽዩፋት ጣኦታትክን ብዅሉ ፍንፉን ተግባራትክን ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ፡+ ከምቲ ህያው ዝዀንኩ፡ ኣነ እውን ክድርብየኪ እየ፡* ዓይነይ ከኣ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ ድማ ኣይክርሕርሕን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 12  ‘ሲሶኺ ብለበዳ* ኺሞቱ ወይ ኣብ ማእከልኪ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም። ሲሶኺ ኸኣ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ ንሲሶኺ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ፣ ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ እውን ክመልሕ እየ።+ 13  ሽዑ፡ ቍጥዓይ ኪውዳእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎኒ ነድሪ እውን ኪዝሕል፡ ሃናይ እውን ከውጽእ እየ።+ ነድረይ ኣባታቶም ፈንየ ምስ ወዳእኩ፡ ኣነ የሆዋ ንበይነይ ተወፋይነት ብምድላየይ+ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም። 14  “‘ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉ ኣህዛብን ኣብ ኣዒንቲ ዅሉ ሓላፍ መገድን፡ ባድምን መጻረፍን ክገብረኪ እየ።+ 15  ብቝጥዓን ብነድርን ብብርቱዕ መቕጻዕትን ኣባኺ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ኣብ ዙርያኺ ንዘለዉ ኣህዛብ መጻረፍን መስተናዓቕን መለበምን መሰክሕን ክትኰኒ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። 16  “‘ከጥፍኦምሲ፡ ዚቐትል ፍላጻታት ጥሜት ክሰድደሎም እየ። እቲ ዝሰድዶ ፍላጻታት ኬጥፍኣኩም እዩ።+ ቀረብ ምግብኹም ብምቍራጽ፡* ነቲ ጥሜት ከግድዶ እየ።+ 17  ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ክሰድደልኩም እየ፣+ ንዓኺ እውን ደቅኺ ኼስእኑኺ እዮም። ለበዳን ምፍሳስ ደምን ኪውሕጠኪ እዩ፣ ሰይፊ እውን ከምጽኣልኪ እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ዙርያኣ።”
ወይ፡ “ብወሰን።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኵሉ ንፋስ።”
ወይ፡ “ከንእሰኪ።”
ወይ፡ “ብሕማም።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኵሉ ንፋስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ በትሪ እንጌራኹም ብምስባር።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።