ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 46:1-24

ትሕዝቶ

  • ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዚቐርብ መስዋእቲ (1-15)

  • እቲ ሹም ዜውርሶ ርስቲ (16-18)

  • መስዋእቲ ዜብስሉሉ ቦታታት (19-24)

46  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣፍ ደገ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ+ ዕጹው ይኹን፣+ ብመዓልቲ ሰንበትን ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሕን ግና ይከፈት።  እቲ ሹም ከኣ ብመገዲ እቲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኺኣቱ፡+ ኣብ ጥቓ ልዳት እቲ ኣፍ ደገ እውን ደው ኪብል እዩ። እቶም ካህናት ድማ ነቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሕብረቱን ኬቕርብዎ እዮም፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ኺሰግድ፡ ድሕሪኡ እውን ኪወጽእ እዩ። እቲ ኣፍ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይተዓጾ።  ህዝቢ እታ ምድሪ እውን፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሰግዱ እዮም።+  “‘እቲ ሹም ብመዓልቲ ሰንበት ንየሆዋ ዜቕርቦ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ፡ ሽዱሽተ ጥዑያት ገንሸላትን* ሓደ ጥዑይ ድዑልን ይኹን።+  እቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓደ ኤፋ፡* ነቶም ገንሸላት ድማ ከምቲ ኺህቦ ዚኽእል፡ ምስኡ እውን መምስ ሓደ ኤፋ ሓደ ሂን* ዘይቲ ኪኸውን እዩ።+  ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ፡ እቲ መስዋእቲ ኻብ ከብቲ ሓደ ጥዑይ ዝራብዕን ጥዑያት ሽዱሽተ ገንሸላትን ሓደ ድዑልን ይኹን።+  መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ድማ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንሸላት ከኣ ከም ዓቕሙ የቕርብ። መምስ ሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ የቕርብ።  “‘እቲ ሹም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብመገዲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ይእቶ፣ በቲ መገዲ እቲ እውን ይውጻእ።+  ህዝቢ እታ ምድሪ ብግዜ በዓላት ናብ ቅድሚ የሆዋ ምስ ኣተዉ፡+ እቶም ኬምልኹ ብሰሜናዊ ኣፍ ደገ ዝኣተዉ፡+ ብደቡባዊ ኣፍ ደገ ይውጽኡ፣+ እቶም ብደቡባዊ ኣፍ ደገ ዝኣተዉ ድማ፡ ብሰሜናዊ ኣፍ ደገ ይውጽኡ። በቲ ኣብ መንጽሮም ዘሎ ኣፍ ደገ ደኣ ይውጽኡ እምበር፡ ሓደ እኳ ብመገዲ እታ ዝኣተወላ ኣፍ ደገ ኣይመለስ። 10  እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሹም ከኣ፡ ንሳቶም ኪኣትዉ ኸለዉ ይእቶ፣ ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ ይውጻእ። 11  ብበዓላትን ብቕነ በዓላትን እቲ መስዋእቲ እኽሊ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንሸላት ድማ ከምቲ ኺህቦ ዚኽእል፡ መምስ ኤፋ እውን ሓደ ሂን ዘይቲ ይኹን።+ 12  “‘እቲ ሹም ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ መስዋእቲ ሕብረት እንተ ኣቕሪቡ፡ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ኣፍ ደገ ኪኽፈተሉ እዩ፣ ንሱ ድማ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቱን መስዋእቲ ሕብረቱን ከምቲ ናይ መዓልቲ ሰንበት ገይሩ ኬቕርብ እዩ።+ ምስ ወጸ፡ እቲ ኣፍ ደገ ብድሕሪኡ ይተዓጾ።+ 13  “‘ንየሆዋ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ጥዑይ ገንሸል ኣቕርብ።+ ነዚ ንግሆ ንግሆ ግበሮ። 14  ምስኡ ድማ፡ ንየሆዋ ስሩዕ መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ ኸም መስዋእቲ እኽሊ፡ ኣብቲ ድኹም ሓርጭ ኪንጸግ እውን ሲሶ ሂን ዘይቲ ኣቕርብ። እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 15  ገንሸልን መስዋእቲ እኽልን ዘይትን ከኣ ንግሆ ንግሆ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም ብስሩዕ የቕርቡ።’ 16  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቲ ሹም ንደቁ ንነፍሲ ወከፎም ርስቲ ገይሩ ህያብ እንተ ሂቡ፡ ርስቲ ደቁ ኪኸውን እዩ። ዝወረስዎ ርስቶም እዩ። 17  ግናኸ፡ ንሓደ ኻብ ገላዉኡ ኻብ ርስቱ ህያብ እንተ ሂቡ ግና፡ ክሳዕ ዓመት ሓርነት ናቱ ኪኸውን እዩ፣+ ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ሹም ኪምለስ እዩ። እቲ ርስቲ ደቁ ጥራይ እዩ ንሓዋሩ ናታቶም ዚኸውን። 18  እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይስጐጕሲ፡ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ይሃቦም።’” 19  ሽዑ፡ በቲ ናብ ሰሜን ገጹ+ ዘበለ ኣብ ጥቓ እቲ ናብቲ ቕዱስ መመገቢ ኽፍልታት* ካህናት ዚመርሕ ኣፍ ደገ ዘሎ መእተዊ+ ኣምጽኣኒ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ናብ ምዕራብ ዜብል ድሕሪት፡ ሓደ ቦታ ረኣኹ። 20  ንሱ ድማ፡ “እቶም ካህናት ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ዋላ ሓንቲ ኸየውጽኡን ቅድስና ነቲ ህዝቢ ኸየመሓላልፉሉንሲ፡*+ መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ሓጢኣትን ዜብስሉሉ፡ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ዚስንክቱሉ ቦታ እዚ እዩ” በለኒ። 21  ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣምጽኣኒ፡ በቲ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣጸድ እውን ኣሕለፈኒ፣ ኣብ ኵሉ መኣዝን እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ከኣ ሓሓደ ኣጸድ ረኣኹ። 22  ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣጸድ፡ 40 እመት* ዝንውሓቱን 30 እመት ዝግፍሑን ንኣሽቱ ኣጸዳት ነበረ። ኣርባዕቲኡ ድማ ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ።* 23  ኣብ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ሕድጋት ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕድጋት* እውን መብሰሊ መስዋእቲ ኪኸውን እተሰርሐ ቦታ ነበረ። 24  ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣገልገልቲ እታ ቤተ መቕደስ፡ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ዜብስሉሉ ኣባይቲ እዚ እዩ” በለኒ።+

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ቕዱስ ክፍልታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ህዝቢ ኸይቅድስዎንሲ።”
እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣርባዕቲኡን ኣተሃናንጻ መኣዝኑን ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ።”
ወይ፡ “መስርዕ።”