ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 43:1-27

ትሕዝቶ

  • ክብሪ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ መልኣ (1-12)

  • መሰውኢ (13-27)

43  ሽዑ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ኣፍ ደገ መርሓኒ።+  ኣብኡ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኪመጽእ ረኣኹ፣+ ድምጹ ድማ ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት ነበረ፣+ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።+  እቲ ዝረኣኽዎ ራእይ ከኣ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍኣ ምስ መጻእኩ* ዝረኣኽዎ ራእይ ነበረ፣ ትርኢቱ እውን ከምቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ ነበረ፣+ ኣነ እውን ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።  ሽዑ፡ ክብሪ የሆዋ በቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብታ ቤተ መቕደስ* ኣተወ።+  መንፈስ ኣልዒሉ ኸኣ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ኣምጽኣኒ፣ እታ ቤተ መቕደስ ብኽብሪ የሆዋ ኸም ዝመልአት ድማ ረኣኹ።+  ካብታ ቤተ መቕደስ ድማ ሓደ ኺዛረበኒ ሰማዕኩ፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው በለ።+  ከምዚ ድማ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚኣ እታ ኣነ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ንዘለኣለም ዝነብረላ+ ቦታ ዝፋነይን+ ቦታ መርገጽ ኣእጋረይን እያ።+ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቕዱስ ስመይ ብመንፈሳዊ ምንዝርናኦምን ብሬሳታት እቶም ዝሞቱ ነገስታቶምን ደጊም ኣይኬርክስዎን እዮም።+  መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፡+ ድርኵዂቶም ኣብ ጥቓ ድርኵዂተይ፡ ልዳቶም ከኣ ኣብ ጥቓ ልዳተይ ብምግባሮም፡ በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርኪሶምዎ እዮም፣ ስለዚ፡ ብቝጥዓይ ኣጽኒተዮም።+  ሕጂ፡ ንመንፈሳዊ ምንዝርናኦምን ንሬሳታት ነገስታቶምን ካባይ የርሕቑ፣ ኣነ ኸኣ ንዘለኣለም ኣብ መንጎኦም ክነብር እየ።+ 10  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ብሰሪ ስሕተቶም ምእንቲ ኺሓፍሩ፡+ ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም፡+ ንድፋ ድማ የጽንዕዎ።* 11  ብዅሉ እቲ ዝገበርዎ እንተ ሓፊሮም፡ ንንድፊ እታ ቤተ መቕደስን ንኣሰራርዓኣን ንመውጽኢታታን ንመእተዊታታን ኣፍልጦም።+ ንዅሉ እቲ ንድፋ ምእንቲ ኺሕልውዎን ንሕግታት ምእንቲ ኺፍጽምዎንሲ፡ ኵሉ እቲ ንድፋን ስርዓታታን፡ ንድፋን ሕግታታን ኣርእዮም፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሓፎ።+ 12  ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ። ብዘሎ እቲ ኣብ ዙርያ ርእሲ እቲ ኸረን ዘሎ ኽሊ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ እንሆ፡ ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ። 13  “ልክዕ እቲ መሰውኢ ብእመት እዚ እዩ፣+ (ነንእመት ከኣ ሓሓደ ስፍሓት ኢድ ተወሲኽዎ ነበረ)።* እግሩ ሓደ እመት፡ ግፍሑ እውን ሓደ እመት እዩ። ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ሓደ ስድሪ* ዝግፍሑ ወሰን ኣሎ። እግሪ እቲ መሰውኢ እዚ እዩ። 14  ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ እግሪ ኽሳብ እቲ ብዙርያ ዘሎ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ብዙርያ ዘሎ ንእሽቶ ሕዳግ ክሳብ እቲ ብዙርያ ዘሎ ዓብዪ ሕዳግ ኣርባዕተ እመት፡ ግፍሑ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። 15  እቲ እቶን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት ዝቝመቱ እዩ፣ ካብቲ እቶን መሰውኢ ድማ ንላዕሊ ዚወጽእ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ።+ 16  እቲ እቶን መሰውኢ 12 እመት ዝንውሓቱን 12 እመት ዝግፍሑን ትርብዒት እዩ።+ 17  ኣርባዕተ ሸነኽ እቲ ብዙርያ ዘሎ ሕዳግ 14 እመት ዝንውሓቱን 14 እመት ዝግፍሑን እዩ፣ እቲ ብዙርያ ዘሎ ወሰን ፍርቂ እመት እዩ፣ እግሩ ኸኣ ብዙርያኡ ሓደ እመት እዩ። “እቲ ደረጃታቱ ድማ ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ።” 18  ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ምእንቲ ኺስዋእን ደም ኣብኡ ምእንቲ ኺንጸግንሲ፡ እቲ መሰውኢ ኺስራሕ ከሎ፡ ነዚ መምርሒ እዚ ስዓብ።’+ 19  “‘ነቶም ኬገልግሉኒ ኢሎም ናባይ ዚቐርቡ ሌዋውያን ካህናት ዘርኢ ጻዶቅ፡+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ዝራብዕ+ ካብ ከብቲ ሃቦም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 20  ‘ካብ ደሙ ወሲድካ ኣብ ኣርባዕተ ቐርኒ እቲ መሰውእን ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣብ ዙርያ ዘሎ ሕዳግን ኣብ ዙርያ እቲ ወሰንን ክትገብር ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብ ሓጢኣት ከተንጽሆን ከተተዓርቖን ኢኻ።+ 21  ሽዑ፡ ነቲ ዝራብዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብቲ ምዱብ ቦታ እታ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ወጻኢ እታ መቕደስ ምእንቲ ኸተንድዶ፡ ውሰዶ።+ 22  ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ጥዑይ ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣት ጌርካ ኸተቕርብ ኢኻ፣ ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ካብ ሓጢኣት ዘንጽህዎ ኸኣ፡ ነቲ መሰውኢ ኻብ ሓጢኣት ኬንጽህዎ እዮም።’ 23  “‘ካብ ሓጢኣት ምንጻሁ ምስ ወዳእካ፡ ካብ ከብቲ ሓደ ጥዑይ ዝራብዕ፡ ካብ መጓሰ ድማ ሓደ ጥዑይ ድዑል ኣቕርብ። 24  ናብ የሆዋ ኸኣ ከተቕርቦም ኢኻ፣ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪገብሩሎም፡+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም እውን ንየሆዋ ኬቕርብዎም እዮም። 25  ሸውዓተ መዓልቲ፡ መዓልታዊ መስዋእቲ ሓጢኣት ጌርካ ወጠጦ ኸተቕርብ ኢኻ፣+ ካብ ከብቲ ኸኣ ዝራብዕ፡ ካብ መጓሰ እውን ድዑል ከተቕርብ ኢኻ፣ ኣበር ዘይብሎም* እንስሳታት ከተቕርብ ኢኻ። 26  ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኬተዓርቕዎን ኬጽርይዎን ኪጽምብልዎን እዮም። 27  እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ተፈጸማ፡ በታ ሻምነይቲ መዓልትን+ ብድሕሪኣን፡ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕብረትኩምን* ኬቕርቡ እዮም፣ ኣነ እውን ብኣኻትኩም ባህ ክብለኒ እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምስ መጸ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”
ቃ.ቃ.፡ “ይለክዕዎ።”
እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣስታት 22.2 ሰ.ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ፍጹማት።”
ማለት፡ ናይቶም ህዝቢ።