ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 41:1-26

ትሕዝቶ

  • መቕደስ እታ ቤተ መቕደስ (1-4)

  • መንደቕን ጐድናዊ ኽፍልታትን (5-11)

  • ብምዕራብ ዚርከብ ህንጻ (12)

  •  ህንጻታት ተለክዐ (13-15ሀ)

  • ናይ ውሽጢ መቕደስ (15ለ-26)

41  ሽዑ፡ ናብ ናይ ወጻኢ መቕደስ* ኣምጽኣኒ፣ ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ድማ ለክዖ፣ በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሽዱሽተ እመት* ዝግፍሑ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ ዀነ።  እቲ መእተዊ ዓሰርተ እመት ዝግፍሑ ነበረ፣ እቲ ጐድናዊ መናድቕ* ድማ፡ ሓሙሽተ እመት በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ነበረ። ንውሓቱ ድማ ለክዖ፣ 40 እመት እውን ኰነ፣ ግፍሑ ኸኣ 20 እመት ኰነ።  ሽዑ፡ ናብ ውሽጢ* ኣተወ እሞ ነቲ ጐድናዊ ዓንዲ እቲ መእተዊ ለክዖ፣ ክልተ እመት ዝርጕዱ እውን ኰነ፣ እቲ መእተዊ ኸኣ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ ነበረ። ጐድናዊ መናድቕ እቲ መእተዊ* ድማ ሸውዓተ እመት ነበረ።  ድሕሪኡ፡ ነታ ናብቲ ናይ ወጻኢ መቕደስ ገጻ ዝገበረት ክፍሊ ለክዓ፣ 20 እመት ዝንውሓታን 20 እመት ዝግፍሓን እውን ነበረት።+ “እዚኣ እታ ቕድስተ ቕዱሳን እያ”+ ኸኣ በለኒ።  ሽዑ፡ ንመንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ለክዖ፣ ሽዱሽተ እመት ዝርጕዱ እውን ኰነ። እቲ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ዘሎ ጐድናዊ ኽፍልታት ከኣ ኣርባዕተ እመት ዝግፍሑ ነበረ።+  እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ሰለስተ ባይታ ዘለዎ ዀይኑ፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ እተደራረበ ነበረ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ባይታታት ድማ ሰሰላሳ ኽፍሊ ነበረ። ኣብ ዙርያ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ነቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ዚጾሮ ሕድጋት ነበረ፣ ስለዚ፡ እቲ ጸዋሪ ናብ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ኣይኣተወን።+  ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ ናብ ላዕለዋይ ክፍልታት ኪድይብ ከሎ እናገፍሐ ዚኸይድ ዓንኬላዊ መተሓላልፎ* ነበረ።+ ካብ ታሕተዋይ ባይታ ተበጊስካ ብማእከላይ ባይታ ሓሊፍካ ናብ ላዕለዋይ ባይታ ኽትድይብ ከለኻ፡ ግፍሑ ኻብ ባይታ ናብ ባይታ ይውስኽ ነበረ።  ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ልዕል ዝበለ መድረኽ ከም ዝነበረ ረኣኹ፣ መሰረታት እተን ጐድናዊ ኽፍልታት ድማ ክሳብ ኵርናዕ ሽዱሽተ እመት ዝንውሓቱ ምሉእ ሻምብቆ ዝልክዑ ነበረ።  ናይ ወጻኢ መንደቕ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ድማ፡ ግፍሑ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ኣብ ጐድኒ ኽፍሊ እታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ህንጻ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ከኣ ክፉት ስፍራ* ነበረ። 10  ኣብ መንጎ እታ ቤተ መቕደስን እቲ መመገቢ ኽፍልታትን*+ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዐዕስራ እመት ዝግፍሑ ቦታ ነበረ። 11  ኣብ መንጎ እቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ዘሎ ጐድናዊ ኽፍልታትን እቲ ኽፉት ስፍራን ሓደ መእተዊ፡ ብደቡባዊ ሸነኽ ድማ ካልእ መእተዊ ነበረ። ግፍሒ እቲ ኽፉት ስፍራ፡ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ነበረ። 12  እቲ ብምዕራብ ዚርከብ ናብቲ ኽፉት ቦታ ገጹ ዝገበረ ህንጻ፡ 70 እመት ዝግፍሑን 90 እመት ዝንውሓቱን ነበረ፣ መንደቕ እቲ ህንጻ፡ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ዝርጕዱ ነበረ። 13  ነታ ቤተ መቕደስ ድማ ለክዓ፣ 100 እመት ዝንውሓታ እውን ኰነት። እቲ ኽፉት ቦታን እቲ ህንጻን* መናድቑን ከኣ 100 እመት ዝንውሓቱ ነበረ። 14  ግፍሒ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዝገበረ ቕድሚት እታ ቤተ መቕደስን እቲ ኽፉት ቦታን ድማ 100 እመት ነበረ። 15  ንውሓት እቲ ብድሕሪት ዚርከብ ናብቲ ኽፉት ቦታ ገጹ ዝገበረ ህንጻ ምስቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘሎ መተሓላለፊኡ ለክዐ፣ 100 እመት እውን ኰነ። ነታ ናይ ወጻኢ መቕደስን ነታ ናይ ውሽጢ መቕደስን+ ንገበላታት እቲ ኣጸድን ድማ ለክዖ፣ 16  ነቲ ድርኵዂታትን ነቲ እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅትን+ ነቲ ኣብዚ ሰለስተ ቦታ እዚ ዚርከብ መተሓላለፍን እውን ለክዖ። ኣብ ጥቓ እቲ ድርኵዂት ካብ ባይታ ኽሳብ እቲ መሳዅቲ ብዕንጨይቲ እተረብበ ነበረ፣+ እቲ መሳዅቲ ኸኣ ክዱን ነበረ። 17  ልዕሊ እቲ መእተውን ውሽጢ እታ ቤተ መቕደስን እቲ ወጻእን ብዘሎ እቲ መንደቕ ብዙርያኡን ተለክዐ። 18  ቅርጽታት ኪሩቤልን+ ምስልታት ኦም ስየን ነበረ፣+ ኣብ መመንጎ ኽልተ ኪሩብ ሓሓደ ኦም ስየ ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ድማ ክልተ ገጽ ነበሮ። 19  ገጽ ሰብ ናብቲ በዚ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ኦም ስየ ኪኸውን ከሎ፡ ገጽ ኣንበሳ* ኸኣ ናብቲ በቲ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ኦም ስየ ነበረ።+ ኣብ ብዘላ እታ ቤተ መቕደስ በዚ ኸምዚ ተቐሪጾም ነበሩ። 20  ካብ ባይታ ኽሳብ ልዕሊ እቲ መእተዊ ዘሎ ቦታ ድማ፡ ኣብ መንደቕ እታ መቕደስ፡ ኪሩቤልን ምስልታት ኦም ስየን ተቐሪጽዎ ነበረ። 21  ልዳት* እታ መቕደስ ትርብዒት ነበረ።+ ኣብ ቅድሚ እታ ቕድስቲ ቦታ* ኸኣ ከም 22  መሰውኢ ዕንጨይቲ+ ዝበለ ነበረ፣ ሰለስተ እመት ዝቝመቱን ክልተ እመት ዝንውሓቱን እውን ነበረ። ኣዕኑድ መኣዝን ነበሮ፣ እግሩን* ጐድኑን ድማ ብዕንጨይቲ እተገብረ ነበረ። ሽዑ፡ “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘላ መኣዲ እያ” በለኒ።+ 23  እታ ናይ ወጻኢ መቕደስን እታ ቕድስቲ ቦታን ከክልተ ማዕጾ ነበረን።+ 24  እቲ መዓጹ ድማ ከክልተ ዚዘውር ክፋል፡ ነንሓደ ማዕጾ ኸክልተ ኽፋል ነበሮ። 25  ኣብ መዓጹ እታ መቕደስ ከኣ ከምቲ ኣብቲ መንደቕ ዝነበረ፡ እተቐርጸ ኪሩቤልን ምስልታት ኦም ስየን ነበረ።+ ኣብ ቅድሚት እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ገበላ ድማ ብዕንጨይቲ እተገብረ ሕልፊ ዚተርፍ ክፋል* ነበረ። 26  ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ገበላ እውን እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅትን+ ምስልታት ኦም ስየን ነበረ፣ ኣብቲ ጐድናዊ ኽፍልታት እታ ቤተ መቕደስን ኣብቲ ሕልፊ ዚተርፍ ክፋልን እውን ከምኡ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቤተ መቕደስ።” ኣብ ምዕራፍ 41ን 42ን፡ እዘን ቃላት እዚአን ነታ ናይ ወጻኢ መቕደስ (ቅድስቲ) ወይ ንብዘላ እታ መቕደስ (ነታ ንቕድስትን ንቕድስተ ቕዱሳንን ዘጠቓለለት ቤተ መቕደስ) የመልክት።
እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ጐድንታት።”
ማለት፡ ናብ ውሽጣዊ መቕደስ፡ ወይ ቅድስተ ቕዱሳን።
ቃ.ቃ.፡ “ግፍሒ እቲ መእተዊ።”
ንዓንኬላዊ መደያይቦ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ጸቢብ መገዲ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “እቲ ኽፍልታትን።”
ማለት፡ እቲ ብምዕራብ እታ መቕደስ ዚርከብ ህንጻ።
ወይ፡ “ሽደን ኣንበሳ።”
እዚ ነቲ ናብታ ቕድስቲ ዜእቱ መእተዊ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ነታ ቕድስተ ቕዱሳን ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ንውሓቱን።”
ወይ፡ “ብዕንጨይቲ እተገብረ ጽላል።”