ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 35:1-15

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ኣኽራን ሰዒር እተዘርበ ትንቢት (1-15)

35  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን ሰዒር+ ኣብል እሞ ኣንጻሩ ተነበ።+  ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እንሆ፡ ኣንጻርካ እየ፣ ኢደይ ከኣ ኣብ ልዕሌኻ ኽዝርግሕ፡ ባድም ድማ ክገብረካ እየ።+  ንኸተማታትካ ዑናታት ክገብረን፡ ንስኻ እውን ባድም ክትከውን ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ።  ከመይሲ፡ ዘየቋርጽ ጽልኢ ነይሩካ እዩ፣+ ንእስራኤላውያን ድማ ብግዜ መዓቶም፡ ብግዜ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቶም ንሰይፊ ኣሕሊፍካ ሂብካዮም ኢኻ።”’+  “‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንምፍሳስ ደም ከዳልወካ እየ፣ ምፍሳስ ደም ከኣ ኪስዕበካ እዩ።+ ደም ስለ ዝጸላእካ፡ ምፍሳስ ደም ኪስዕበካ እዩ።+  ንኣኽራን ሰዒር ባድም ክገብሮ፡+ ብእኡ ዚሓልፍን ዚምለስን ዘበለ ድማ ካብኡ ኽምንቍስ እየ።  ንኣኽራኑ ኸኣ ብቕቱላት ክመልኦ እየ፣ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ኣብ ኵርባታትካን ኣብ ስንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ወሓይዝካን ኪወድቁ እዮም።  ንሓዋሩ ኸባድመካ እየ፣ ከተማታትካ ድማ ነበርቲ ኣይኪህልወንን እዩ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’ 10  “የሆዋ ኣብኡ ኸሎስ፡ ‘እዞም ክልተ ኣህዛብ እዚኦምን እዘን ክልተ ሃገራት እዚአንን ናተይ ኪዀኑ እዮም፡ ንኽልቲኦም ከኣ ክንርስተዮም ኢና’+ ስለ ዝበልካ፡ 11  ‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣነ ኸምቲ ጸሊእካዮም ብቝጥዓን ብቕንእን ዝገበርካዮ ነገር፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ፣+ ምስ ፈረድኩኻ ድማ፡ ኣባታቶም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። 12  ሽዑ፡ ኵሉ እቲ፡ “ባዲሞም፡ ክንውሕጦም* ከኣ ተዋሂቦምና እዮም” ኢልካ ብዛዕባ ኣኽራን እስራኤል እተዛረብካዮ ንዕቀት፡ ኣነ የሆዋ ኸም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። 13  ብትዕቢት እውን ኣንጻረይ ተዛሪብካ፡ ኣንጻረይ እውን ቃላትካ ኣብዚሕካ ኢኻ።+ ኵሉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።’ 14  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ምስ ኣባደምኩኻ፡ ብዘላ ምድሪ ኽትሕጐስ እያ። 15  ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ምስ ባደመት እተሓጐስካ፡ ኣነ ኸምኡ ኽገብረካ እየ።+ ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እወ፡ ኵልኻ ኤዶም፡ ክትባድም ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ምግቢ ኪዀኑና።”