ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 34:1-31

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ጓሶት እስራኤል እተዘርበ ትንቢት (1-10)

  • የሆዋ ንኣባጊዑ ዚገብረለን ክንክን (11-31)

    • “ጊልያይ ዳዊት” ኪጓስየን እዩ (23)

    • “ኪዳን ሰላም” (25)

34  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ከኣ ከምዚ ኢልካ ተነበየሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም!+ ጓሶትሲ ንመጓሰ ደይኰነን ኬብልዑ ዚግባእ፧+  ንስኻትኩም ስብሒ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ዝሰብሐት ድማ ትሓርዱ፣+ ነተን መጓሰ ግና ኣይተብልዕወንን።+  ዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፡ ዝሓመመት ኣየሕወኹምን፡ ዝቘሰለት ኣይዘነንኩምን፡ እተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ዝጠፍአት ኣይደለኹምን፣+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕሰምን ብጭካነን ገዚእኩምወን።+  ጓሳ ስለ ዘይነበረ፡ ፋሕ ኢለን፣+ እወ፡ ፋሕ ኢለን፡ ንዅሉ ኣራዊት መሮር እውን ምግቢ ዀይነን።  ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዅርባታትን ተባሪረን፣ ኣባጊዐይ ዜናድየን ወይ ዚደልየን ዘይብለን ኣብ ኵሉ ገጽ ምድሪ ፋሕ ኢለን።  “‘“ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦  ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “ጓሳ ስለ ዘይነበረ፡ ጓሶተይ ድማ ስለ ዘየናደይወን፡ የግዳስ ንርእሶም ስለ ዝመገቡ፡ ንኣባጊዐይ ከኣ ስለ ዘየብልዑ፡ ኣባጊዐይ ግዳይን ምግቢ ኣራዊት መሮርን ኰይነን እየን እሞ፡”’  ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 10  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኣንጻር እዞም ጓሶት እየ፣ ብዛዕባ ኣባጊዐይ ከኣ ክጸባጸቦም እየ፣* ንኣባጊዐይ ከየብልዑ* እውን ክሰጕጎም እየ፣+ እቶም ጓሶት ድማ ደጊም ንርእሶም ኣይኪምግቡን እዮም። ንኣባጊዐይ ካብ ኣፎም ከናግፈን እየ፣ ንሳተን ድማ ደጊም ንዓታቶም ምግቢ ኣይኪዀናን እየን።’” 11  “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣነ፡ ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየንን ክኣልየንን እየ።+ 12  ፋሕ ንዝበላ ኣባጊዑ ረኺቡ ኸም ዜብልዐን ጓሳ፡ ንኣባጊዐይ ክኣልየን እየ።+ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ቦታታት ከናግፈን እየ።+ 13  ካብ ህዝብታት ከውጽአን፡ ካብ ሃገራት ከኣ ክእክበን፡ ናብ ምድረን ድማ ከምጽአን፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤል እውን ኣብ ጥቓ ወሓይዝን ኣብ ጥቓ ዅሉ እቲ መንበሪታትን ከብልዐን እየ።+ 14  ካብ ጽቡቕ መጓሰዪ ኸብልዐን እየ፣ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል እውን መገሃጫአን ኪኸውን እዩ።+ ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ መገሃጫ በጥ ኪብላ፡+ ኣብ ሕሩይ መጓሰዪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ኪበልዓ እየን። 15  “‘“ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከብልዐን፡+ ኣነ ባዕለይ እውን በጥ ከብለን እየ”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16  “ዝጠፍአት ከናዲ፡+ እተባረረት ክመልስ፡ ዝቘሰለት ክዝንን፡ ዝደኸመት ድማ ከበርትዕ እየ፣ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ከጥፍእ እየ። ንዓኣ ፍርዲ ኸብልዓ እየ።” 17  “‘ኣትን ኣባጊዐይ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፡ ኣብ መንጎ ደዓውልን ድቤላታትን ክፈርድ እየ።+ 18  ኣብቲ ኣዝዩ ብሉጽ መጓሰዪ ምብላዕኩምዶ ኣይኣኽለኩምን እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ መጓሰዪኹም ብኣእጋርኩም ምርጋጽኩም ግቡእ ድዩ፧ ጽሩይ ማይ ምስ ሰተኹምከ ነቲ ማይ ብኣእጋርኩም ብምርጋጽ ምብልሻውኩምሲ ግቡእ ድዩ፧ 19  እሞኸ ኣባጊዐይ ኣብቲ ብኣእጋርኩም እተረግጸ መጓሰዪ ኺበልዓ፡ ካብቲ ብኣእጋርኩም ረጊጽኩም ዘበላሸኹምዎ ማይ እውን ኪሰትያ ድየን፧” 20  “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣነ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ ስብሕቲ በጊዕን ዕባራ በጊዕን ክፈርድ እየ፣ 21  ከመይሲ፡ ብጐድንኹምን ብመንኵብኩምን ደፊእኩምወን፡ ኣብ ወጻኢ ፋሕ ክሳዕ ዚብላ ድማ ንዅለን እተን ሕሙማት ብኣቕርንትኹም ወጊእኩምወን ኢኹም። 22  ኣነ ኸኣ ንኣባጊዐይ ከድሕነን እየ፣ ደጊም እውን ግዳይ ኣይኪዀናን እየን፣+ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ድማ ክፈርድ እየ። 23  ሓደ ጓሳ፡ ጊልያይ ዳዊት፡+ ከተንስኣለን እየ፣+ ንሱ እውን ኬብልዐን እዩ። ንሱ ባዕሉ ኼብልዐን፡ ጓሳአን ከኣ ኪኸውን እዩ።+ 24  ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ክኸውን፡+ ጊልያይ ዳዊት ድማ ኣብ መንጎኦም ሹም ኪኸውን እዩ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። 25  “‘“ምሳታቶም ከኣ ኪዳን ሰላም ክኣቱ እየ፣+ ኣብ በረኻ ብደሓን ምእንቲ ኺነብሩን ኣብ ዱር ምእንቲ ኺድቅሱን፡+ ካብታ ምድሪ ሕሱማት ኣራዊት ከጥፍእ እየ።+ 26  ንዓታቶምን ነቲ ኣብ ዙርያ ዅርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብር እየ፣+ ብግዜኡ ኸኣ ዝናም ከዝንም እየ። በረኸት ከም ዝናም ኪዘንም እዩ።+ 27  ኣእዋም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪ ድማ ፍርያታ ኽትህብ እያ፣+ ኣብ ምድሮም ከኣ ብደሓን ኪነብሩ እዮም። ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፡+ ካብቶም ባሮት ዝገበርዎም ድማ ምስ ኣናገፍክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 28  ደጊም ግዳይ ኣህዛብ ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም፣ ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣ ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+ 29  “‘“ስሙይ* ሕርሻ ኽገብረሎም እየ፣ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ደጊም ብጥሜት ኣይኪሞቱን እዮም፣+ ደጊም እውን ብኣህዛብ ኣይኪዋረዱን እዮም።+ 30  ‘ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምሳታቶም ምዃነይ፡ ንሳቶም ቤት እስራኤል እውን ህዝበይ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’ 31  “‘ኣቱም ኣባጊዐይ፡+ ኣቱም ዝኣልዮም ኣባጊዐይ፡ ንስኻትኩምሲ ሰብ ጥራይ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንኣባጊዐይ ከኣ ካብ ኢዶም ኪደልየን እየ።”
ወይ፡ “ከይጓስዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንስም ዚኸውን።”