ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 32:1-32

ትሕዝቶ

  • ንፈርኦንን ንግብጽን እተለቕሰሎም ልቕሶ (1-16)

  • ግብጺ ምስ ዘይግዙራት ተቐብረት (17-32)

32  ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ልቕሶ ኣልቅስ፣ ከምዚ ኸኣ በሎ፦ ‘ከም ሽደን ኣንበሳ ኣህዛብ ኔርካ፣ ግናኸ፡ ስቕ ከም እትብል ተጌርካ። ኣብ ኣፍላግካ ጨንደላሕ ከም ዚብል ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኔርካ፣+ ነቲ ማያት ብኣእጋርካ ትዘርጎ፡ ነቲ ኣፍላግ* ድማ ተበላሽዎ ኔርካ።’   እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብኣኼባ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረ መርበበይ ኣብ ልዕሌኻ ኸውድቕ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ኪስሕቡኻ እዮም።   ኣብ ምድሪ ኽሓድገካ እየ፣ ናብ መሮር ክድርብየካ እየ። ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባኻ ኸስፍረን እየ፣ ንኣራዊት ብዘላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ።+   ንስጋኻ ኣብ ኣኽራን ክድርብዮ፡ ንስንጭሮታት ከኣ ብገምብኻ ኽመልኦ እየ።+   ነታ ምድሪ በቲ ቡሕቡሕ ዚብል ደምካ ኽሳብ ኣኽራን ከጠስጥሳ፡ ንሱ ድማ ነቲ ወሓይዝ ኪመልኦ እዩ።’*   ‘ምስ ጠፋእካ፡ ንሰማያት ከጐልብቦ፡ ንኸዋኽብቶም ከኣ ከጸልምቶም እየ። ንጸሓይ ብደበናታት ከጐልብባ እየ፣ ወርሒ ድማ ብርሃና ኣይክትህብን እያ።+   ብሰርኻ ንዅሉ ዜብርህ ብርሃናት ሰማያት ከጸልምቶ፡ ንምድርኻ ኸኣ ብጸልማት ክኸድና እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።   ‘ንምሩኻትካ ናብ ካልኦት ኣህዛብ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ መራሕክዎም፡+ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከጨንቕ እየ። 10  ሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ኣንበጥበጥኩ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ከስደምም፡ ነገስታቶም ድማ ሰኪሖም ኬንፈጥፍጡ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ፡ ነፍሲ ወከፍ ንህይወቱ ስለ ዚፈርህ፡ ብቐጻሊ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።’ 11  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሌኻ ኽትመጽእ እያ።+ 12  ንጭፍራኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ጀጋኑ፡ በቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት ዝዀኑ፡ ከውድቖ እየ።+ ትምክሕቲ ግብጺ ኼፍርሱ እዮም፣ ኵሉ ጭፍራኣ ድማ ኪጠፍእ እዩ።+ 13  ንዅለን ማላ ኣብ ጥቓ እቲ ብዙሕ ማያታ ኸጥፍአን እየ፣+ እግሪ ሰብ ኰነ ሸዀና ማል ከኣ ደጊም ኣይኪዘርጎን እዩ።’+ 14  ‘ሽዑ፡ ንማያቶም ከጽርዮ፡ ንኣፍላጎም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 15  ‘ንግብጺ ባድም ምስ ገበርክዋ፡ ነታ ምድሪ ኸኣ ኵሉ እቲ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ገፈፍክዋ፡+ ንዅሎም ነበርታ እውን ምስ ወቓዕክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።+ 16  እዚ ልቕሶ እዩ፣ ሰባት ድማ ብርግጽ ኬልቅስዎ እዮም፣ ኣዋልድ ኣህዛብ ኬልቅሳኦ እየን። ብዛዕባ ግብጽን ብዛዕባ ዅሉ እቲ ጭፍራኣን ኬልቅሳኦ እየን’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 17  ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 18  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጭፍራ ግብጺ ዋይዋይ በለሉ፣ ንዓኣን ንኣዋልድ እቶም ሓያላት ኣህዛብን ከኣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ፡ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኣውርደን። 19  “‘ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጽ፧ ውረድ፡ ምስቶም ዘይግዙራት በጥ በል!’ 20  “‘ኣብ መንጎ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም።+ ንሰይፊ ተዋሂባ ኣላ፣ ምስ ኵሉ ጭፍራኣ ጕተትዋ። 21  “‘እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኻብ መዓሙቝ መቓብር* ንዕኡን ንደገፍቱን ኪዛረብዎም እዮም። ብርግጽ ኪወርዱ፡ ከምቶም ዘይግዙራት፡ ከምቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ በጥ ኪብሉ እዮም። 22  ኣሶር ምስ ኵሉ ኣኼባኣ ኣብኡ ኣላ። ኣብ ዙርያኡ መቓብራቶም ኣሎ፣ ኵላቶም ብሰይፊ ዝወደቑ እዮም።+ 23  መቓብራታ ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡* ኣኼባኣ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፣ ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኵላቶም ብሰይፊ ዝወደቑ እዮም። 24  “‘ዔላም+ ምስ ኵሉ ጭፍራኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣላ፣ ኵላቶም ብሰይፊ ዝወደቑ እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሸብሩ፡ ከይተገዝሩ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ወሪዶም ኣለዉ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ኸኣ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 25  ንዓኣ ምስ ኵሉ ጭፍራኣ ኣብ መንጎ እቶም ቅቱላት ኣብ ዙርያ መቓብራታ ዓራት ኣንጺፎምላ ኣለዉ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ድማ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። ንሱ ኣብ መንጎ ቕቱላት ተነቢሩ ኣሎ። 26  “‘ሜሴክን ቱባልን+ ኵሉ ጭፍራኦምን* ኣብኡ ኣለዉ። መቓብራታ ኣብ ዙርያኡ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተወግኡ እዮም። 27  ምስቶም ዝወደቑ፡ ምስ ኣጽዋር ውግኦም እውን ናብ መቓብር* ዝወረዱ ዘይግዙራት ሓያላት ጀጋኑዶ በጥ ኣይኪብሉን እዮም፧ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኣስያፎም ኣብ ትሕቲ ኣራእሶም* ኬንብሩ እዮም፣ ሓጢኣቶም ከኣ ኣብ ኣዕጽምቶም ኪኸውን እዩ። 28  ንስኻ ግና ኣብ መንጎ እቶም ዘይግዙራት ክትጭፍለቕ፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ በጥ ክትብል ኢኻ። 29  “‘ኤዶም+ ኣብኡ ኣላ፣ ነገስታታን ኵሎም ሹማምንታን ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኢሎም ኣለዉ፣ ንሳቶም እውን ምስቶም ዘይግዙራትን+ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱን በጥ ኪብሉ እዮም። 30  “‘ኵሎም መሳፍንቲ* ሰሜን ምስ ኵሎም እቶም ብሓይሎም ኣሸቢሮም ክነሶም ተዋሪዶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ሲዶናውያን+ ኣብኡ ኣለዉ። ከይተገዝሩ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኪብሉ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ኸኣ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 31  “‘ፈርኦን ነዚ ዅሉ ኺርኢ፡ ብዅሉ እቲ ንጭፍራኡ ዝወረዶም ድማ ኪጸናናዕ እዩ፣+ ፈርኦንን ኵሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ኪቕተሉ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 32  “‘ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበረ፡ ፈርኦን ምስ ኵሉ ጭፍራኡ፡ ምስቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ከም ዚብል ኪግበር እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ርባታቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “እቲ ባይታ ወሓይዝ ድማ ካባኻ (ብኣኻ) ኺመልእ እዩ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ቃ.ቃ.፡ “ጭፍራኣን።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ምናልባት ብወተሃደራዊ ኽብሪ ነቶም ምስ ሰይፎም እተቐብሩ ተዋጋእቲ የመልክት።
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “መራሕቲ።”
ወይ፡ “መቓብር።”