ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 29:1-21

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ፈርኦን እተዘርበ ትንቢት (1-16)

  • ግብጺ ንባቢሎን ዓስቢ ዀይና ኽትውሃብ እያ (17-21)

29  ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 12 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻሩን ኣንጻር ኵላ ግብጽን ተነበ።+  እዚ ቓላት እዚ ተዛረብ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ኣታ ኣብ መንጎ ወሓይዝ ኒል* በጥ እትብል ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ፡+ኣታ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ። ኣነ ንርእሰይ እየ ገይረዮ’ እትብል፡+ እንሆ ኣንጻርካ እየ።+   ኣብ ምንጋጋኻ ኸኣ ዓንቃሪቦታት ክገብር፡ ንዓሳታት ኒል ኣብ ቅርፍትኻ ኸላግቦም እየ። ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ቅርፍትኻ ዝለገቡ ዓሳታት ካብ ኒልካ ኸውጽኣካ እየ።   ንዓኻ ምስ ኵሎም እቶም ዓሳታት ኒልካ ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድገካ እየ። ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፣ ኣይክትእረን፡ ኣይክትእከብን እውን ኢኻ።+ ንኣራዊት ምድርን ንኣዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።+   ሽዑ፡ ኵሎም ነበርቲ ግብጺ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ንሳቶምሲ ንቤት እስራኤል ካብ ሓሰር* ዘይሓይሽ ደገፍ እዮም ነይሮም።+   ብኢዶም ምስ ሓዙኻ፡ ተጨፍሊቕካ፣መንኵቦም ድማ ሰንጢቕካ። ኣባኻ ምስ ተደገፉ፡ ተሴርካ፣ንኣእጋሮም* ከኣ ሰንከልከል ኣቢልካ።”+  “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ሰይፊ አምጽኣልካ ኣለኹ፣+ ካባኻ ድማ ሰብን እንስሳን ክምንቍስ እየ።  ምድሪ ግብጺ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፣+ ንስኻስ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ፣ ኣነ እየ ገይረዮ’ ኢልካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡*+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 10  ስለዚ፡ ኣነ ኣንጻርካን ኣንጻር ኒልካን እየ፣ ንምድሪ ግብጺ፡ ካብ ሚግዶል+ ክሳብ ሴኔ+ ኽሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ኸዕንዋን ከንቅጻን ከባድማን+ እየ። 11  ሰብ ኰነ ማል ብእግሪ ኣይኪሓልፋን እዩ፣+ ን40 ዓመት እውን ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ። 12  ንምድሪ ግብጺ ኻብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ ዝባደመት ክገብራ እየ፣ ከተማታታ ኸኣ ን40 ዓመት ኣዝየን ዝባደማ ኪዀና እየን፣+ ንግብጻውያን ድማ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን ክብትኖም እየ።”+ 13  “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ድሕሪ 40 ዓመት ንግብጻውያን ካብቶም ፋሕ ዝበሉሎም ህዝብታት ክእክቦም እየ፣+ 14  ንምሩኻት ግብጻውያን ናብ ምድሪ ጳጥሮስ፡+ ናብታ ምድሪ መበቈሎም ክመልሶም እየ፣ ዘይትረብሕ መንግስቲ ድማ ኪዀኑ እዮም። 15  ግብጺ ኻብ ካልኦት መንግስትታት ክትትሕት እያ፣ ንኻልኦት ኣህዛብ ከኣ ደጊም ኣይክትዕብልልን እያ።+ ንኻልኦት ኣህዛብ ከይገዝኡ ድማ ሒደት ክገብሮም እየ።+ 16  ንቤት እስራኤል ምንጪ እምንቶ ኣይክትከውንን እያ፣+ ነቲ ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጻውያን ቍሊሕ ብምባሎም ዝገበርዎ ስሕተት ጥራይ ከተዘክሮም እያ። ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”’” 17  ኣብ መበል 27 ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 18  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጻር*+ ንጉስ ባቢሎን ንሰራዊቱ ኣንጻር ጢሮስ ብዙሕ ኣጽዒርዎም እዩ።+ ኵሉ ርእሲ ነዂዑ፡ ኵሉ መንኵብ እውን ተመሊጡ እዩ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ነቲ ኣብ ጢሮስ ዝጸዓርዎ ጻዕሪ ዓስቢ ኣይረኸቡሉን። 19  “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ምድሪ ግብጺ ንነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እህቦ ኣለኹ፣+ ንሱ ድማ ሃብታ ኺወስድ፡ ካብኣ እውን ብዙሕ ኪማርኽን ኪዘምትን እዩ፣ ንሰራዊቱ ኸኣ ዓስቢ ኽትከውን እያ።’ 20  “‘ምእንታይ ስለ ዝገበርዎ፡ ጻማ እቲ ኣንጻራ* ዝጸዓሮ ጻዕሪ፡ ምድሪ ግብጺ ኽህቦ እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 21  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል* እየ፣+ ኣብ መንጎኦም ክትዛረብ እውን ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ኣብዝን ኣብ ታሕትን፡ “ኒል” ንፈለግ ኒልን ነቲ ናይ መስኖ መትረባቱን የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ሻምብቆ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንምሕኵልቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱስ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ፣ ኣነ እየ ገይረዮ’ ኢሉ ነይሩ እዩ እሞ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ንነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ማለት፡ ኣንጻር ጢሮስ።
ወይ፡ “ንቤት እስራኤል ከበርትዓ።”