ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 24:1-27

ትሕዝቶ

  • የሩሳሌም ከም ዝመረተ ቝራዕ (1-14)

  • ሞት ሰበይቲ ህዝቅኤል ምልክት ኰነ (15-27)

24  ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ ዕለት እዚኣ፡* ነዛ መዓልቲ እዚኣ መዝግባ። ንጉስ ባቢሎን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም መጥቃዕቲ ፈንዩ ኣሎ።+  ብዛዕባ እታ ዓላዊት ቤት ከኣ ምስላ* መስል፡ ብዛዕባኦም እውን ከምዚ በል፦ “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ቍራዕ ሰኽትት፣ ኣብ ሓዊ ሰኽትቶ እሞ ማይ ኣዕርቐሉ።+   እተመትረ ስጋ፡+ ኵሉ ጽቡቕ ምታር፡ ሰለፍን ኢድን ግበረሉ፣ ብሕሩይ ኣዕጽምቲ ምልኣዮ።   ካብቲ መጓሰ ሕሩይ በጊዕ ውሰድ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ ቝራዕ ድማ እያድ ጸፍጽፍ። ነቲ ምታር ኣብስሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣዕጽምቲ እውን ጠጥቆ።”’   “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም፡+ እታ ምራተኣ ዘየልገሰ መራት ቍራዕ ወይለኣ! በብምታር እናኣውጻእካ ጥራያ ግበራ፣+ ንዕኡ ዕጫ ኣይተውድቕ።   ደማስ ኣብ ውሽጣ እዩ፣+ ኣብ መላጥ ከውሒ ኣፍሲሳቶ እያ። ብሓመድ ክትከድኖስ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን።+   ንምፍዳይ ሕነ ነድሪ ምእንቲ ኸለዓዕልሲ፡ ደማ ምእንቲ ኸይክደን፡ ኣብ ዜንጸባርቕ መላጥ ከውሒ ገይረዮ ኣለኹ።’+   “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም ወይለኣ!+ ብዙሕ ዕንጨይቲ ኽጽፍጽፍ እየ። 10  እያድ ኰምር፡ ሓዊ እውን እጐድ፣ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣፍስሶ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ድማ ኣሕርሮ። 11  እቲ ጥራዩ ዝዀነ ቝራዕ ምእንቲ ኺረስን፡ ነሓሱ ኣጸቢቑ ኺረስንሲ፡ ኣብ ጓህሪ ሰኽትቶ። ርኽሰቱ ኣብ ውሽጡ ኺመክኽ፡+ ምራተኡ ድማ ኪብላዕ እዩ። 12  እቲ ብርቱዕ ምራተ ኣይኪለቅቕን እዩ እሞ፡+ ዜበሳጩን ዜድክምን እዩ። ምስ ምራተኡ ናብ ሓዊ ደርብዮ!’ 13  “‘ርኽሰትኪ ብሰንኪ ጽያፍኪ እዩ።+ ከጽርየኪ ፈቲነስ፡ ካብ ርኽሰትኪ ኣይጸረኽን። ነድረይ ክሳዕ ዚዝሕል ኣይክትጸርይን ኢኺ።+ 14  ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። ኪኸውን ድማ እዩ። ርእሰይ ከይገታእኩ፡ ከይጐሃኹ፡ ከይተጥዓስኩ ስጕምቲ ኽወስድ እየ።+ ከም መገድታትክን ከም ግብርታትክን ኪፈርዱኺ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 15  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 16  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነታ ፍትውትኻ ብሓንቲ ውቅዒት ክወስዳ እየ።+ ኣይትሕዘን፡* ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕ እውን። 17  ስቕ ኢልካ ደኣ እህህ በል፣ ንምዉታት ድማ ኣይትሕዘነሎም።+ መጠምጠምያኻ ጠምጥም፡+ ኣሳእንካ ውደ።+ ጭሕምኻ* ኣይትኽደን፡+ ካልኦት ዜምጽኡልካ እንጌራ* እውን ኣይትብላዕ።”+ 18  ነቶም ህዝቢ ድማ ንግሆ ተዛረብክዎም፣ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት። ስለዚ፡ ንግሆ፡ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። 19  እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዚ እትገብሮ ዘለኻስ ንዓና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትነግረናን ኢኻ፧” ይብሉኒ ነበሩ። 20  ኣነ ኸኣ ከምዚ ኢለ መለስኩሎም፦ “ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 21  ‘ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንመቕደሰይ፡ ነታ ምንጪ ዓብዪ ትምክሕትኹም፡ ነታ ፍትውትኹምን ትምኒት ልብኹምን* ከርክሳ እየ።+ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ 22  ሽዑ፡ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ ካልኦት ዜምጽኡልኩም እንጌራ እውን ኣይክትበልዑን ኢኹም።+ 23  መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፡ ኣሳእንኩም እውን ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ኣይክትበኽዩን፡ ኣይክትነብዑን እውን ኢኹም። የግዳስ፡ ብስሕተት ክትምህምኑ፡+ ንሓድሕድኩም ድማ እህህ ክትባሃሃሉ ኢኹም። 24  ህዝቅኤል ድማ ምልክት ኰይኑልኩም ኣሎ።+ ከምቲ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ ኰነ፡ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”’” 25  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ በታ ንዕርዶም፡—ነታ ጽብቕቲ መሐጐሲቶምን ነታ ዚፈትውዋን ነታ ትምኒት ልቦምን፡*—ምስ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ካባታቶም ዝወስደላ መዓልቲ፡+ 26  ሓደ ዘምለጠ ኺነግረካ እዩ።+ 27  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣፍካ ኽትከፍት፡ ነቲ ዘምለጠ ድማ ክትዛረቦ፡ ደጊም እውን ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ።+ ንዓታቶም ምልክት ክትከውን ኢኻ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስም እዛ መዓልቲ።”
ወይ፡ “ምሳልያዊ ዛንታ።”
ወይ፡ “ደረትካ ኣይትውቃዕ።”
ማለት፡ ሸነብ ወይ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር። ወይ፡ “ላዕለዋይ ከንፈርካ።”
ቃ.ቃ.፡ “እንጌራ ሰብ።”
ወይ፡ “ርሕራሐ ነፍስኹምን።”
ወይ፡ “ነፍሶምን።”