ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 2:1-10

ትሕዝቶ

  • ህዝቅኤል ነብዪ ኪኸውን ተመዘዘ (1-10)

    • “እንተ ሰሚዖም ወይስ ምስማዕ እንተ ኣብዮም” (5)

    • ልቕሶ ዝሓዘት ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ ረኣየ (9, 10)

2  ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡* ክዛረበካስ ብኣእጋርካ ደው በል” በለኒ።+  ምስ ተዛረበኒ ድማ፡ መንፈስ መጸኒ፣ ነቲ ዚዛረበኒ ምእንቲ ኽሰምዖ እውን ብኣእጋረይ ደው ኣበለኒ።+  ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ህዝቢ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዓለዉ ዓለውቲ ኣህዛብ+ እልእከካ ኣለኹ።+ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ኣቢሶም እዮም።+  ናብ ተዳፈርትን* ተሪር ዝልቦምን ደቂ እልእከካ ኣለኹ፣+ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ ድማ በሎም።  ንሳቶም ከኣ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡+ እንተ ሰሚዖም ወይስ ምስማዕ እንተ ኣብዮም፡ ነብዪ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበረ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።+  “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዳንዴርን ብእሾዅን እተኸበብካን*+ ኣብ መንጎ ዕንቅርቢታት እትቕመጥን እኳ እንተ ዀንካ፡ ንዓታቶም ኣይትፍርሃዮም፣+ ንቓላቶም እውን ኣይትፍርሃዮ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡+ ብገጾም እውን ኣይትሸበር።+  ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም ወይ እንተ ኣብዮም፡ ቃላተይ ንገሮም።+  “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ። ከምዛ ዓላዊት ቤት፡ ዓላዊ ኣይትኹን። ኣፍካ ኽፈት እሞ ነዚ ዝህበካ ዘለኹ ብልዓዮ።”+  ምስ ጠመትኩ፡ ኢድ ናባይ ተዘርጊሓ ረኣኹ፣+ ኣብኣ ድማ ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ* ረኣኹ።+ 10  ኣብ ቅድመይ ምስ ዘርግሓ ኸኣ፡ ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን ጽሑፍ ነበራ።+ ልቕሶን ሓዘንን ዋይዋይታን ተጻሒፍዋ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

“ወዲ ሰብ”፣ ካብቲ ኣብ ህዝቅኤል ዚርከብ እዚ መግለጺ እዚ እተጠቕሰሉ 93 ቦታታት፡ እዚ እቲ ቐዳማይ እዩ።
ወይ፡ “ተሪር ዝገጾምን።”
ወይ፡ “እቲ ህዝቢ ነቓጽን ከም ዚወግኣካ ነገርን እኳ እንተ ዀነ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ።”